ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልተ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ኣኼባ ከነካይድ ኣይከኣልናን ይብሉ


ኣዲስ ኣበባ
ኣዲስ ኣበባ

ኣብ ኣዲስ ኣበባን ክልል ትግራይን ዝርከባ ክልተ ተቓወምቲ ውድባት ኣኼባ ከነካይድ ኣይኸኣልናን ክብላ ጥርዓን ኣስሚዐን።

ኣብ ክልል ትግራይ ዝንቀሳቐስ ውድብ ናጽነት ትግራይ፡ ህዝባዊ ኣኼባ ወዲብሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ትማሊ ሰንበት ነቲ ዝሓሰቦ ኣኼባ ከቃንዕ ከም ዘይከኣለ ዝበጽሓና ዜና ኣፍሊጡ። እቲ ውድብ ካብ ፖሊስ መቐለ’ዩ፡ “ፍቓድ ኣየውጽአን” ብምባል ነቲ ኣኼባ ከይመርሕ ተኸልኪሉ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና ‘ባልደራስ ለእውነተኛ ዴሞክራሲ ፓርቲ’ ትማሊ ሰንበት 3 መጋቢት 2015 ዓ/ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓፈሻዊ ጉባኤ ከየካይድ ተኸልኪሉ ክትብል ምኽትል ሓላፊት ቤት ፅሕፈት እቲ ፓርቲ ወይዘሮ ቀለብ ስዩም ንድምጺ ኣመሪካ ገሊፃ።

ብፖሊስ ክልል ኦሮሚያ ከምዝተኸልከለ ካብቲ ክካየደሉ ተታሒዙ ዝነበረ ሆቴል ጋምቤላ ከምዝተነገሮ እቲ ፓርቲ እንተገለፀ እውን እቲ ሆቴል ግን ካብቲ ፓርቲ ናይ ስራሕ ትእዛዝ ኣይተቐበልኩን ኢሉ።

ብዛዕባ እዚ ካብ ቦርድ ምርጫ፣ፖሊስ ኣዲስ ኣበባን ክልል ኦሮሚያን መልሲ ንምርካብ ዝተገበረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን።

XS
SM
MD
LG