ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልተ ሶማልያዊያን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ከባቢያዊ ምርጫ ክፍለ ግዝኣታት ሚኒሶታን ሜይንን ተዓዊተን


 ሳፊያ ኻሊድን ናዲያ መሓመድን
ሳፊያ ኻሊድን ናዲያ መሓመድን

ክልተ ሶማልያዊያን ደቂ ኣንስትዮ ትማሊ ሶሉስ ኣብ ዝተኻየደ ከባቢያዊ ምርጫ ክፍለ ግዝኣታት ሚኒሶታን ሜይንን ብምዕዋት ታሪኽ ሰሪሐን።

ጓል ሸውዓተ ዓመት ኮይና ናብ ኣሜሪካ ዝመፀት 23 ዓመት ዝዕድሚኣ ሳፊያ ኻሊድ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ሜይን ኣብ ዝተኻየደ ቤት ምኽሪ ከተማ ለዊስተን 69.6 ሚእታዊት ድምፂ ብምርካብ ተዓዊታ’ላ።

ካልኣይቲ 23 ዓመት ዝዕድሚኣ ናዲያ መሓመድ እውን ኣብ ከባቢ ምንያፖልስ ኣብ ዝርከብ ሴንት ሉዊስ ፓርክ ሲቲ ንቤት ምኽሪ እታ ከተማ ተዓዊታ’ላ።ንሳ እውን ብቆልዕነታ ካብ ኹናት ሓድሕድ ሶማል ሃዲማ እያ ናብ ኣሜሪካ ዝመፀት’ያ።

XS
SM
MD
LG