ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልተ ሴነተራት ኣሜሪካ  ኣብ ክልል ትግራይ ዝተወለዐ ውግእ ከምዘሻቕሎም ገሊጾም 


ኣሜሪካዊያን ኣባላት ሴነት ብዛዕባ እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተወለዐ ውግእ ሻቅሎቶም ገሊጾም።

ብመሰረት’ዚ፣ ሴነተር ኢልዛቤት ዋረን ‘በቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተወለዐ ውግእ ተሻቂለ ኣለኹ። መራሕቲ፣ ነቲ ውግእ ብቅጽበት ደው ከብልዎ ይግባእ። ሰብኣዊ ሓገዛት’ውን ናብ ክልል ትግራይ ንክኣቱን ከኽእሉ፣ ኩሉ ሓቆፍ ልዝብ ብምክያድ፣ ንመሰል ኩሎም ዜጋታት ዘረጋግጽ ነጻን ርትዓዊን ምርጫንከካይዱ’ ጸዊዔን።

ሴነተር ባብ መመንደዝ ብወገኖም ‘ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ክልል ትግራይን፣ ንቅጽበታዊ ምቁራጽ ተጻብኦ ክትግብሩ ምስ ዝጽውዕ ድምጺ ማሕበረ ሰብ ዓለም ተጸምቢረ ኣለኹ’ ኢሎም።

ኣባል ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ሴነት ኣሜሪካ ዝኾኑ ሴነተር መነንደዝ ወሲኾም ‘ክልቲኦም ሓይልታት ኣብ ክልል ትግራይ ዝኸፈትዎ ውግእ ዓሚቅ ሻቅሎት ዝፈጠረን፣ ከቢድ ሰብኣዊ ጥፍኣትን ሰብኣዊ ቅልውላውን ኣለዎን ይብሉ።

ዝተናወሐ ውግእ፣ ነቲ ዛጊት ዘይተረረ ዴሞክራሲያዊ ሽግግር ኢትዮጵያ ዘልምስ፣ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ሰላምን ህድኣትን ዝኸልእን ከምዝኾነ’ውን ጠቂሶም።

ብዘይካ’ዚ፣ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ውግእን ህድኣት ዘይምህላውን፣ ኣብ መላእ’ቲ ዞባ ጽልዋ ዘሕድር ስለዝኾነ፣ ክልቲኦም ወገናት ነቲ ህውከት ኣቋሪጾም ፖለቲካዊ ኣፈላላዮም ብሰላማዊን ኩሉ ሓቆፍን ልዝብ ንክፈትሑ ሴነተር ሜነንደዝ ጸዊዖም።

XS
SM
MD
LG