ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልተ ሰነተራት ኣሜሪካ ኣብ ክልል ትግራይ ንዘሎ ግጭት ሰላማዊ መፍትሒ ዝበልዎ ውሳነ ኣቕሪቦም


ኣብ ሰኔት ኣሜሪካ ኣቦ መንበር ኮሚቴ ርክባት ወፃኢ ዝኾኑ ሪፓብሊካዊ ሰኔተር ጂም ሪስችን ናይ ስቪል ድሕንነት፣ዴሞክራስን ሰብላዊ መሰላትን ዝቆፃፀር ናይ ሰኔት ንኡስ ኮሚቴ ኣባል ዝኾኑ ኣባል ዴሞክራቲክ ፓርቲ ቤን ካርዲን መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ኩሉ ተፃብኦታት ደው ከብሉ ዝፅውዕ፣ ሰብኣዊ መሰላት ክሕልውን ኣብ ክልል ትግራይ ዝተፈጥረ ግጭት ብሰላማዊ ኣገባብ ክፍታሕ ዝሓትትን ውሳነ ትማሊ ረቡዕ ኣቕሪቦም።

ሰኔተር ሪስች “ኣብ ክልል ትግራይ ዝተፈጥረ ግጭት ኣብ ሰብኣዊነት ከቢድ ኩነታት ከምኡ እውን ኢትዮጵያ ናብ ዴሞክራሲ ንእተካይዶ ታሪኻዊ ስግ ግር ስግኣት እዩ’' ኢሎም ።

’’እዚ ናይ ሓባር ውሳነ ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ዝመራሕ ፌደራላዊ መንግስትን ህወሓትን ቅሬታታት ዘስተኻኽልን እቲ ግጭት ብሰላማዊን ነባሪን ጠጠው ንምባል ክላዘቡ ዘተባብዕ እዩ።ብምውሳኽ ዝተረጋግአትን ዴሞክራሲያዊትን ኢትዮጵያ ንናይቲ ከባቢ ድሕንነት ወሳኒ እዩ፤ኣሜሪካ ድማ ዴሞክራሲ ንምምዕባል ብቅኑዕ ልቦና ፃዕርታታ ክትቕፀለሉ እያ’’ ኢሎም ።

ሰኔተር ካርዲን ብወገኖም ‘'ኣብ ውሽጢ ክልል ትግራይ ይካየድ ዘሎ ውግእ ድሮ ብኣሽሓትን ዝቑፀሩ ሰባት ዝቐተለን ኣዚዩ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝፈጠረን ብምዃኑ ንኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነስ ንምርግጋእ ብምሉኡ እቲ ዞባ ዘስግእ እዩ’’ ኢሎም።

ሰኔተር ካርዲን ብምውሳኽ “ስለ ህዝቢ ኢትዮጵያን ኣብ ዳያስፖራ ዝርከቡን ብዙሓት ኣብ ሜሪላንድ ንዓቶም ብምውካለይ ኩርዓት ዝስምዐኒን እቲ ህወከት ጠጠው ክብል ኣለዎ።ኣብዚ ግጭት ዝሳተፉ ኩሎም ናብ ዕርቂ፣ፍትሒን ነባሪ ሰላምን ክሰርሑ ኣለዎም’' ኢሎም ።

XS
SM
MD
LG