ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልተ ሚንስትራት ኣመሪካ ኣብ ዋና ከተማ ዩክሬን ኪየቭ ምብጻሕ አካይዶም


ፕረዚደንት ዩክሬን ዘለንስኪ ምስ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከንን ሚንስትር ምክልኻል ኣመሪካ ሊዮድ ኦስተን
ፕረዚደንት ዩክሬን ዘለንስኪ ምስ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከንን ሚንስትር ምክልኻል ኣመሪካ ሊዮድ ኦስተን

ክልተ ላዕለዎት ሚንስተራት ኣመሪካ፡ ንዩክሬን ተወሳኺ ናይ ኣጽዋራት ድጋፍ ንምግባር ኣብ ዋና-ከተማ`ታ ሃገር ምብጻሕ ኣካይዶም።

ሩስያ ንዩክሬን ካብ ትወርር ንድሓር፡ዩክሬን ዝበጽሑ ዘለዉ ዝለዓሉ ሰበ-ስልጣን`ዮም። እቲ ምብጻሕ ዝካየድ ዘሎ፡ ሩስያ ሓያል መጥቃዕታ ኣብ ዝቐጸለትሉ እዋን`ዩ።

እዞም ክልተ ላዕለዎት ኣባላት ካቢነ ኣመሪካ ሓገዝ ኣጽዋርን ዲፕሎማሲን ሒዞም`ዮም ናብ ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ ከይዶም። ቅድሚ`ቲ ብሰንበት ዝተገብረ ምብጻሕ፡ ዘለንስኪ እቶም ሰበ-ስልጣን ጥራይ ኢዶም ከይመጽዎ ኣሰሚዑ ኔሩ`ዩ: ጥራይ ኢዶም ድማ ኣይከዱን።

ሚንስተር ምክልኻል ኣመሪካ ሊዮድ ኦስትን፡ ንዩክሬንን ንኻልኦት 15 መሻርኽቲ ሃገራትን ናይ 713 ሚልየን ዶላር ወተሃደራዊ ሓገዝ ቃል ኣትዩ'ሎ።

ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን ብወገኑ፡ እቲ ኣብ ኪየቭ ዝነበረ ኤምባሲ ኣመሪካ ዳግም ከምዝኽፈት ኣፍሊጡ። ባይደን ትማሊ ሰኑይ፡ ሓደ ኣምባሳደር ሸይሙ፡ ብባይቶ ክጸድቀሉ ድማ ይጽበ`ሎ።

ፕረዚደንት ዘለንስኪ ኣብቲ ምስ ላዕልዎት ሰበ-ስልጣን ኣመሪካ ዝገበሮ ርክብ ምስጋንኡ ከምዚ ክብል ኣቕሪቡ ኔሩ።

"ሎሚ ኣብ ኪየቭ ኣብዚ ኣገዳሲ ዝኾነ እዋን፡ ኣመሪካ ንዩክሬን ምሕጋዛ ከመስግን ይደሊ። ብፍላይ ንፕረዚደንት ባይደን`ውን ንዝገብሮ ዘሎ ሓገዝ ከምስግኖ እደሊ" ኢሉ።

ብሊንከን ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ምብጻሕ ዝካየድ ዘሎ ኣብ ኣገዳሲ መላግቦ`ቲ ቅድሚ ሸሞንተ ኣዋርሕ ዝጀመረ ኩናት`ዩ ኢሉ።

“ኣብዚ ምብጻሕ ምግባርና ኣገዳሲ`ዩ፡ ብዛዕባ`ቲ ንገብሮ ዘላና ሓገዝ ገጽ ንገጽ ተራኺብና ምዝርራብና`ውን ኣገዳሲ`ዩ። ብዛዕባ ኣብ ሰብኣዊን ጸጥታውን ሓገዛትን ከምኡ`ውን ኣብ ልዕሊ ሩስያ ንገብሮ ዘለና ጸቕጢ፡ ከምኡ ድማ ብኹሉ መዳያት ብኸመይ ተልእኮና ንፍጽም ምዝርራብና ኣገዳሲ`ዩ" ኢሉ።

ገለ ተንተንቲ ግን እቲ ምብጻሕ ድሕሪ ካልኦት መራሕቲ ኣፍሪቃ ዝተረፈ`ዩ ይብልዎ። ዳሊቦር ሮሃክ ኣብ ኢንስቲቱት ኣመሪካን ኢንተርፕራዝ ላዕላዋይ ተመራማሪ`ዩ፡“ ገለ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ኤምባሲታተን ድሮ ናብ ኪየቭ መሊሰንኦ`የን። ብኣተሓሳስባ ዓለም፡ ኣመሪካ ኣብቲ ጻዕርታት ኣብ ቅድሚት ተሰሪዓ ክትርእያ ኢኻ ትጽበያ። ካብ ኪየቭ ኣብ ምውጻእ`ውን ቀዳመይቲ ኣይነበረትን፡ ኣብ ምምላስ`ውን ካብ መንጎ`ተን ናይ መወዳእታ ኮይና`ላ" ይብል።

ዋይት ሃውስ ኣብ ናይ ትማሊ መግለጺኡ፡ እቲ ንዩክሬን ዝውሃብ ሓገዝ ክቕጽል`ዩ ግን ከከም ምዕባለታት`ቲ ግጭት ክፈላለ ይኽእል`ዩ ኢሉ።

ወሃቢት ቃል ዋይት ሃውስ ጀን ሳኪ፡ እቲ ዝቕጽል ሓገዛት ፕረዚደንት ባይደን ምስ ወተሃደራዊ ሓለፍቲን ምስ ኮንግረስን ብምዝርራብ ዝገብሮ`ዩ ዝኸውን ኢላ። መኣስ ደው ክብል ዝብል ግን ዝፈልጥ የለን። ዘለንስኪ ግን፡ ኣመሪካ ካብ መንጎ ኣውሓስቲ ጸጥታ ሃገርና መሪሕ ተራ ክትጻወት ኢና ንጽበ ክብል ምሕጽንትኡ ኣቕሪቡ`ሎ።


XS
SM
MD
LG