ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልተ ሓደሽቲ ንጥረ ነገራት ኣብ ከባቢ ሶማል ዝወደቐ ሚቲዮራይት ተረኺቦም


ተመራመርቲ ዩኒቨርስቲ ኣልበርታ ኣቐዲሞም ዘይተዳህሰሱ ክልተ ሓደሽቲ ንጥረ ነገራት ምርኻቦም ይገልጹ ኣለው።

እቶም 'ኢላ-ሊ-ኣይት'ን 'ኢልኪን-ስታን-ቶናይት' ዝብል መጸውዒ ዝተዋህበን ንጥረ ነገራት 15 ሽሕ ኪሎግራም ክብደት ዘለዎ ኣብ ከባቢ ሶማል ዝወደቐ ሚቲዮራይት ከምዝተረኽቡ እቶም ተመራመርቲ ሓቢሮም ኣለው።

እቶም ተመራመርቲ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ፕሮፌሰር ክሪስ ሀርድ ሓድሽ ንጥረ ነገር ተረኺቡ ክበሃል ከሎ ሓድሽ ስነ-ምድራዊ ስነ-ፍልጠት ማለት'ዩ፥ እዚ ማለት ቕድሚ ሕጂ ዘይተራእየ ንጥረ ነገር'ዩ ኢሎም።

እዞም ተረኺቦም ዘለው ንጥረ ነገራት ታሽዓይ ዝተረኽበ ሚቲዮራይት ውሽጢ ከምዝተረኽቡ'ውን ተመራመርቲ ዩኒቨርስቲ ኣልበርታ ይገልጹ።

XS
SM
MD
LG