ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልል ኦሮምያ፡ ዞባ ቦረና ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቓዕቲ 5 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ቦረና ዝሓለፈ ቀዳም ዕጡቓት ብዝፈፀምዎ መጥቓዕቲ ኣባል ሓይልታት ምክልኻል ሓዊሱ ሓሙሽተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ተፈሊጡ።

ዋና ኣማሓዳሪ ዞባ ቦረና ኣቶ ጉዮ ገልገሎ እቲ መጥቓዕቲ ፀረ ሰላም ሓይልታት ዝፈፀምዎ እዩ ክብሉ ኮኒኖም።ሓደ ተማሃራይ ሓዊሱ ናይቲ ከባቢ ፀጥታ ይሕልው ዝነበሩ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ከምዝተቐተሉ ወሲኾም ገሊፆም።

ኣብቲ ቅትለት ተሳቲፎም ተባሂሎም ዝጥርጠሩ ብሕጊ ከምዝሕተቱ ብምግላፅ ክንደይ ከምዝተትሓዙ ግን ሕጂ ክንገልፅ ኣይንደልን ኢሎም።ድሕሪ ናይ ቀዳም ቅትለት ኣብቲ ከባቢ ምርግጋእ ምስፋኑ ነበርቲ ወረዳ ኣረሮን ኣማሓዳሪ እቲ ዞባን ምግላፆም ተሓቢሩ’ሎ።

XS
SM
MD
LG