ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልል ኦሮምያ: ኣምንስቲ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ አባላት ተቓዋሚ ፓርቲ ብዝፈጸሞ መጥቓዕቲ 1 ሰብ ሞይቱ ክብል ከሲሱ


Amnesty Logo
Amnesty Logo

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮሚያ ፖሊስ ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ልዕሊ ደገፍቲ ተቓዋሚ ፓርቲ ብዝፈፀሞ መጥቓዕቲ ሓደ ሰብ ሞይቱ፣ብዙሓት ቆሲሎም ብዝሒ ዘለዎም ድማ ከምዝኣሰረ ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ገሊፁ።

እቲ ተሓላቒ መሰላት ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ምርጫ ዝካየደሉ እዋን ወግዓዊ ኣብዝተገብረሉ ኣብ ውሽጢ ስዓታት ፍሉይ ፖሊስ ኦሮሚያ ኣብ ከተማ ወለንጭቲ ይካየድ ኣብ ልዕሊ ዝነበረ ምረቓ ቤት ፅሕፈት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ቶኽሲ ብምኽፋትን ዘንብዕ ጋዝ ብምትኳስን ንሓደ ደጋፊ ኦነግ ቐቲሎም ኢሉ’ሎ።

ኣብቲ ዕለት ኣብ ከተማ ቡራዩ ኣብ ዝነበረ ምረቓ ሆቴል ንዝነበሩ ኣስታት 30 አጋይሽ ፖሊስ ብኣልማማ ኣሲሩ ናብ ሓደ ስታዲዮም ወሲዱ ንስዓታት ሃሪሙን ክብሮም ግሂሱዎምን ይብል።

እዞመ መጥቓዕትታት እዚኦም ኣብ ኢትዮጵያ ምእካብን ምግላፅ ፖለቲካዊ መርገፂን ማዕረ ክንደይ ሓደገኛ ይኸውን ከምዘሎ መርኣያታት እዮም ዝበሉ ኣብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ምኽትል ዳይረክተር ምብራቕን ደቡባዊን ኣፍሪቃ ሴይፍ ማጋንጎ ኣብ እዋን ቅድመ ምርጫ ከምዚ ዝበለ መጥቓዕቲ ክፍቀድ የብሉን ኢሎም።

ንሶም ወሲኾም ሰበስልጣን እታ ሃገር ቕልጡፍን ነፃን ምርመራ ብምክያድ ተጠርጠርቲ ናብ ሕጊ ከቕርቡ ኣለዎም እውን ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::



XS
SM
MD
LG