ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልል ኦሮሚያ፤ ዓሰርተታት ዜጋታት ብዕጡቓት ይቕተሉ


ካብ ክልል ኣምሓራ ምዃኖም ዝተጠርጠሩ ዕጡቓት፡ ኣብ ልዕሊ ሚሊሻ ክልል ኦሮሚያ ጽዒና ዝነበረት ቃፍላይ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምኽፋት 26 ሰባት ብምቕታል ካልኦት 15 ድማ ኣቝሲሎም።

ከም ሓበሬታ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ እቲ ብሰሉስ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ካብ ኣዲስ-ኣበባ ኣስታት 170 ኪሎ-ሜተር ንደቡባዊ ምብራቕ ርሒቓ ኣብ እትርከብ፡ ኮርከ እትብሃል ከተማ ክልል ኦሮሚያ ዝተፈጸመ ኰይኑ፡ ነቶም ኣስታት 100 ዝዀኑ ሚሊሻ እቲ ክልል ዒላማ ዝገበረ’ዩ።

ኣመሓዳሪ ናይቲ ከባቢ ኣቶ ፍሬዘር ኣበራ ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ከም ዝሓበሮ፡ እቶም ነቲ መጥቓዕቲ ዝፈጸሙ ብሸውዓተ መካይን ዝመጹ ኰይኖም፡ ከምዚ ዝመስል “ውሁድ መጥቃዕቲ ክፍጸም ናይ ፈለማ ተርእዮ" ምዃኑ ጠቒሱ። ብወገን ግዳያት ስድራቤት እቲ መጥቃዕቲ፡ ፈጸምቱ ኣባላት ሚሊሻ ፋኖ ኢሎም ክኸሱ እንከለዉ፡ እቲ ሚሊሻ ስሩዕ ቅርጺ ስለ ዘይብሉ ግን ግብረ-መልሲ ንምርካብ ኣይተኻእለን።

ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ካብ ወሃብ-ቃል ክልል ኣምሓራ ግብረ-መልሲ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ከም ዘይሰለጦ ኣመልኪቱ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG