ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልል ኦሮሚያ ንልዕሊ 3,600 ተኣረምቲ ፈቲሑ


ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ተኣሲሮም ካብ መንጎ ዝነበሩ 3,673 ሰባት ብይቕሬታ ከምዝፈትሐ ኣፍሊጡ።ምክትል ዓቃቢ ሕጊ ክልል ኦሮሚያ ፍቅር ዘለኣለም እቶም ተኣረምቲ በቲ ናይቲ ክልል ሕጊን ስርዓትን መሰረት ዝተፈትሑ ምዃኑ ሓቢሮም።

ኣብቲ ክልል ብፖለቲካዊ ምኽኒያት ተታሒዞም ክብሉ ተቓወምቲ ዝቕርቡዎ ጥርዓን ብዝምልከት ዝተውሃበ መብርሂ የለን።

እቶም ዝተፈትሑ ብገበናት ስርቂ፣ዘረፋን ብልሽውናን ዝተፈረዶም እሱራት ከምዘይምልከት ወሲኾም ሓቢሮም።

ብኻልእ ወገን ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝንቀሳቐሱ ኣባላትን ደገፍትን ፖለቲካዊ ፓርቲቲታት ሎሚ እውን ብዘይኣገባብ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ይኣትው ምህላዎም ንድምጺ ኣመሪካ ገሊፆም። ምክትል ዓቃቢ ሕጊ ክልል ኦሮሚያ ፍቅር ዘለኣለም ካብ ሕጊ ወፃኢ ተኣሲሮም ዝብሃሉ ንዝቐርብ ጥርዓን መንግስቲ ብኻልእ ኣሰራርሓ እዩ ክውስኖዩ ኢሎም ።

ርእይቶታት ንምርኣይ (1)

XS
SM
MD
LG