ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልል ኣምሓራ: ግዳያት ጾታዊ መጥቃዕቲ እኹል ድጋፍ ኣይተገበረልናን ክብላ መረረት ኣስሚዓን


ደሴ ሪፈራል ሆስፒታል
ደሴ ሪፈራል ሆስፒታል

ህወሓት ንገለ ከባብታት ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝተቖጻጸረሉ እዋን ጾታዊ መጥቓዕቲ ከምዘጋጠመን ዝገልጻ ደቀንስትዮ፡ እኹል ድጋፍ ኣይተገብረልናን ዝብል መረረት ኣስሚዐን።

ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረበን ሰለስተ ደቀንስትዮ፡እታ ሓንቲ ኣደ 4 ወርሒ ህጻን ከላ ብጉጅለ ከም ዝተዓመጸትን ሕማም ሕቖ ከምዘስዓበላን ክትገልጽ ከላ፡ እታ ካልኣይቲ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ሕማም ከም ዝለገባ፡ እታ ሳልሰይቲ ድማ ተነጽሎ ካብ ማሕበረሰብ ከምዝገጠማ ገሊጻ`ላ።

ኣብቲ ኸባቢ ዝሰርሕ ተወካሊ ሓገዝ ስድራቤታት ዝኾነ ኣቶ ሰለሞን ፍስሃ፡ 208 ደቀንስትዮ ሕክምና ከምዝተገብረለን ክገልጽ ከሎ፡ መዲካል ዳይሬክተር ሆስፒታል ደሴ ዶ/ር ሃይማኖት ኣየለ ብወገና ተወሰኽቲ 300 ደቀንስትዮ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ከምዝረኸባ ሓቢራ`ላ።

ኣብ እዋን ዂናት ኢትዮጵያ ኣብ ክልላት ዓፋርን ትግራይን`ውን ተመሳሳሊ ጾታዊ ዓመጻት ምፍጻሙ ክጥቀስ ጸኒሑ`ዩ ።

XS
SM
MD
LG