ዋሽንግተን —
ፕሮግራም መግቢ ዓለም ዋላ'ኳ ሓያሎ ፈተናታት እንተጋጠሙ'ውን ኣብ ገለ ክፋላት ሰሜን ምዕራብን ደቡብን ክልል ትግራይ ኣብ ወርሒ ሰነን ሓምለን ንልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ሰባት ኣብ ካልኣይ ዙር መግቢ ከምዘከፋፈለ ገሊፁ።
ብሰንኪ ከቢድ ሕፅረት መግቢ፣ገንዘብ፣ነዳዲን ቴሌኮምኒኬሽንን ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ኣፍደገ ዓፀቦ ዝርከቡ ሓዊሱ ንሓደጋ ካብ ዝተቓልዑ ናብቶም ፍርቂ ጥራሕ ከምዝበፅሐ ገሊፁ ኣሎ።
ፕሮግራም መግቢ ዓለም ካብ ነሓሰ ጀሚሩ 2.1 ሚሊዮን ሰባት ክሕግዝ ዓሊሙ ይንቀሳቐስ ኣሎ።እንተወሓደ 6,000 ሜትሪክ ቶን መግቢ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን የድሊ ይብል።ብሰንኪ ፀገም ፀጥታን ድሩትነት ምንቅስቓስን እቲ ዘድሊ ኣብ ቀረባ ሰሙናት ከግዕዝ ከምዘይከአለ'ቲ ትካል ወሲኹ የረድእ።