ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልል ትግራይ: ዝተሓላለኸ ኩነታት ጸጥታ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ህዝቢ ከይባጻሕ ዕንቅፋት ይኸውን ከምዘለው ወሃቢ ቃል ሕ/ሃ ገሊጾም


አብ ትግራይ ይራኣይ ዘሎ ዝተሓላለኸ ጸጥታዊ ኩነታት፣ ሰብኣዊ ሓገዛት ናብ ህዝቢ’ቲ ክልል ብሰላም ንከይባጻሕ ይዕንቅፍ ከምዘሎ ምክትል ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ፈርሃን ሃቅ ገሊጾም።

ንሶም ሽዱሽተ ኣዋርሕ ድሕሪ ምጅማር ውግእ ሎሚ’ውን መብዛሕትኡ ገጠራት ትግራይ ኣገልግሎት ስልኪን መብራህቲን ኣይረክብን፣ ከም ሳዕቤኑ ድማ ኣገልግሎት ጥዕና፣ ማይን ካልኦትን ምሃብ ኣይተካኣለን ይብሉ።

ምክትል ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ፈርሃን ሃቅ "ሕቡራት ሃገራትን መሻርኽቱን፣ ኣብ ትግራይ ንዝተፈጸሙ ጾታዊ ገበናት ሎሚ’ውን የጻርይዎ ከምዘለው" ገሊጾም።

እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ ፕሮግራም መግቢ ዓለም 9,000 ሜትሪክ ቶን እኽሊ ኣብ ምዕራባዊን ደቡባውን ዞባታት ትግራይ ን529 ሽሕ ህዝቢ፣ ኣብ ዕዳጋ ሓሙስን ኣጽቢን’ውን ን34 ሽሕ ህዝቢ ሓገዝ ከምዝዓደለ ኣፍሊጡ። ብዘይካ'ዚ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ን700 ሽሕ ህዝቢ ዝስተ ማይ ከምዘባጸሐ ገሊጹ።

ፈርሃን ሃቅ መሻርኽቲ ኣካላት፣ ዛጊት ዝተረኸበ ድጋፍ ኣኻሊ ከምዘይኮነ ይገልጹልና ኣለው ድሕሪ ምባል፣ ተወሳኺ ገንዘብ ከምኡ'ውን ሰላማዊ ምትሕልላፍ ቀረብ ረድኤት ኣገደስቲ ከምዝኾኑ ሓቢሮም።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG