ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልል ትግራይ፡ ዓመታዊ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ተጀሚሩ


ኣብ ትግራይ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ዝካየድ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ሓደ ለካቲት ተጀሚሩ።

ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ትግራይ እቲ ወፍሪ ን20 መዓልታት ዝፀንሕ ኮይኑ ልዕሊ 1.1 ሚልዮን ህዝቢ ዝሳተፈሉ እዩ ኢሉ ።

ኣብ ትግራይ ኣብ ነፊስ ወከፍ ዓመት ን20 መዓልታት ህዝቢ በነፃ ጉልበት ኣብ ስራሓት ሓለዋ ሃብቲ ተፍጥሮ ንዝሓለፉ ልዕሊ 25 ዓመታት ክሳተፍ ጸኒሑ’ሎ። ኣብዚ ብወፍሪ ዝካየድ ዕቀባ ሓመድን ማይን በብዓመቱ ከምዝሳተፉ ዝተዛረቡ ኣብ ወረዳ ሕንጣሎ ወጀራት ጣብያ ፍረወይኒ ነባሪ ዝኾኑ ሓረስታይ ግርማይ ካልኣዩ፤ እቲ በበዓመቱ ዘካይድዎ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ኣብ ልምዓት ተፍጥሮ ከባቢኦም ለውጢ የምፅእ ከምዘሎ ይዛረቡ።

ካልእ ኣብታ ወረዳ ጣብያ ዶቡብ ነባሪ ዝኾኑ ሓረስታይ ከላሊ ኣዕብያይ ብወገኖም "እቲ ዝስራሕ ዕቀባ ሓመድን ማይን ውጽኢት ይርከበሉ ኣሎ ግና ድሕሪ ምስራሕ ክትትልን ሓለዋን ክግበረሉ ይግባእ" ይብሉ።

ብብርኪ ትግራይ ኣብ ዓመተ 2011 ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ባሕቲ ለካቲት ተጀሚሩ። ኣይተ ይትባረክ ገብረመድህን ኣብ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ትግራይ ኣተሓባባሪ ጉጅለ ትግበራ ልምዓት መፋስስ እዩም።

ኣብዚ ዓመት ልዕሊ 70 ሽሕ ሄክታር መሬት በቲ ወፍሪ ከምዝሽፈን ዝተዛረቡ ኮይኖም ልዕሊ 1.1 ሚልዮን ህዝቢ ይሳተፍ ከምዘሎ ገሊፆም።

ኣይተ ይትባክ ወሲኾም ኣብቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ዝካየድ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ከባቢ ሓምላይ ክኸውን ካብ ምግባር ብተወሳኺ ኣብ መስኖ፣ ልምዓት ዘራእቲን ሃብቲ እንስሳን ለውጢ ንክህሉ ይግበር ኣሎ ኢሎም ።

ኣብ ስራሓት ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ቅድሚ ሐጂ ፀብፃብ ሓሶት ምንባሩ መንግስቲ ገሊፁ ነይሩ እዩ’ሞ ኣብዚ ዓመት’ከ እዚ ኩነታት ከይህልው እንታይ ትሰርሑ ኣለኹም ኢልና ንኣይተ ይትባረክ ሓቲትና "ኣብዚ ዓመት እቶም ዝስርሑ መፋስሳት ብዘመናዊ መለክዒ ስፍሓቶም ተዓቂኑ ስለ ዝተቐመጠ እቲ ቅድሚ ሐጂ ዝነበረ ፀብፃብ ሓሶት ኣይድገምን" ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ክልል ትግራይ፡ ዓመታዊ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ተጀሚሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:22 0:00

XS
SM
MD
LG