ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልል ትግራይ’ውን ኣብ ምቍራጽ ተጻብኦታት ምስምማዑ ይገልጽ


ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰብኣዊ ተባጽሕነት ክልል ትግራይ ክዉን ንምግባር ምቍራጽ ተጻብኦታት ምግባሩ ትማሊ ወግዓዊ ድሕሪ ምግባሩ፡ ክልል ትግራይ’ውን ንእለቱ ተግባራዊ ዝኸውን ተዅሲ ደው ናብ ምባል ስጕምቲ ከም ዝወስድ ትማሊ ሓሙስ ኣማስያኡ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ብመገዲ ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ትግራይ ኣቢሉ ዝወጸ ናይ ጽሑፍ መግለጺ፡ ክልል ትግራይ ብቐደሙ’ውን ናብቲ ኲናት ተገዲዱ’ምበር ብፍታዉ ዘይምእታዉ ድሕሪ ምምልካት፡ ብሰንኪ’ቲ ኲናት ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢን ንብረትን ዝወረደ መዳርግቲ-ኣልቦ ክሳራ ኣሕዛኒ ተርእዮ ምዃኑ ኣስሚሩ። ብሰንኪ ኲናትን ንዕኡ ስዒቡ ዝመጸ ምቍራጽ ኣገልግሎት ባንክ፡ ሓይሊ ኤለክትሪክ፡ መራኸቢታትን ቀንዲ ሃስያኡ ኣብ ሰለማዊ ህዝቢ’ዩ ነይሩ ክብል ድማ ኣመልኪቱ።

እቲ መግለጺ ኣስዒቡ፡ ንሰብኣዊ ተባጽሕነት ንምትግባር፡ “ቅቡል” ንዝበሎ ግዜን ንእለቱ ዝትግበርን ምቍራጽ ተጻብኦታት ከም ዝገበረ ጠቒሱ። ሰብኣዊ ሓገዝ ምስ ፖለቲካ ክትሓናፈጽ ከም ዘይብሉን ብወገኑ ነቲ ጉዳይ ንምትግባር ኵሉ ዝከኣሎ ክገብር ምዃኑ ዝጠቐሰ መግለጺ ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ትግራይ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ መብጻዓኡ ከተግብር ኣዘኻኺሩ።

ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣንቶኒ ብሊንከን’ውን ትማሊ ሓጺር ናይ ጽሑፍ መግለጺ ኣውጺኦም ነይሮም። ነቲ ውሳነ ብሓጐስ ከም ዝቕበሎ ዝጠቐሰ መግለጺ ብሊንከን፡ እቲ ኣዋጅ መጀመርታ ናይ ብሕጂ ክመጹ ትጽቢት ዝገበረሎም ኣዎንታዊ ምዕባለታትን ነባሪ ምቍራጽ ተጻብኦታትን ክዀኑ ዘለዎም ተስፋ ኣንቢሮም። ኣመሪካ፡ ንነባሪ ሰላም ከም እትሰርሕ ዘመልከተ እቲ መግለጺ፡ ኵላቶም ኣካላት ናብ መኣዲ ዘተ ክቐርቡን እንኮላይ ድሕነት ዜጋታት ዝምልከት ኣዳላዪ ስጕምቲ ክወስዱን ኣዘኻኺሩ።

ኣብ መንጎ’ቶም ብዙሓት ነቲ መግለጺ ብጽቡቕ ዝተቐበሉዎ፡ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ’ውን ብተመሳሳሊ እቲ ኣዋጅ ተግባራዊ ክኸውንን ነቶም ሓገዝ ዘድልዮም ኵላቶም ወገናት ብግቡእ ንኽበጽሖም ማዕጾ ክኸፍት ዘለዎም ትምኒት ኣመልኪቶም።

XS
SM
MD
LG