ኣብ ክልል ትግራይ ወረዳ እንደርታ ቅድሚ ሐዚ ኣግራብ ብምብራስ ንመብሰሊ መግቢ ዕንፀይትን ፈሓምን ኣብ ምሻጥ ይሳተፉ ዝነበሩ ሰባት ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ስራሕቲ መስኖን ልምዓት ሃብቲ እንስሳ ይሳተፋ ኣለዉ ክብል ምምሕዳር እታ ወረዳ ኣፍሊጡ::
ኣብዚ ዓመት ኣብታ ወረዳ ኣብ 32 መፋስስ ስርሓት ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ተኻይዱ:: መንግስቲ ክልል ትግራይ ንምክልኻል ቫይረስ ኮረና ብዝብል ስርሓት ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ክቋረፅ ምውሳኑ ይፍለጥ እዩ:: ኣብ ወረዳ እንደርታ ጣብያ ድድባ ግድሚ እግሪ ቓይሕ ኣብ ዝተብሃለ መፋስስ ኣብ ወፍሪ ዕቃባ ሓመድን ማይን እናተሳተፈ ዝረኸብናዮ ሓዱሽ ተክለሃይማኖት: ቅድሚ ውሑዳት ዓመታት ኣብቲ ከባቢ ኣግራብ ብምብራስ ንመብሰሊ መግቢ ዕንፀይቲ ይሸጥ ምንባሩ ገሊፁ:: እቲ ብርሰት ንከባቢኡ ከምዝጎድእ ተረዲኡ ከምዝገደፎ ዝገለፀ ሓዱሽ: ነዚ ንምክሕሓስ ኣብ ስራሕቲ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ምስታፉ ገሊፁ::
ኣብቲ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ተሳታፊት ዝነበራ ወይዘሮ ኣለማት መረሳ በብዓመቱ ብሓባር ብዝሰርሕኦ ስርሓት ምሕላው ለውጢ ንረኽበሉ ኣለና ኢለን:: ደቂ ኣንስትዮ እውን ማዕረ ደቂ ተባዕትዮ ኣብቲ ስርሓት ከምዝሳተፋ እየን ተዛሪበን:: መጋቤ ስርኣት ኪደ በላይ እውን ኣብታ በብመዓልቲ ኣስታት 800 ሰባት ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ዝተሳተፍሉ መፋስስ ግድሚ እግሪ ቓይሕ ረኺብናዮም: በብዓመቱ ብዘኻየድዎ ስራሕ ከባቢኦም ናብ ሓምለዋይነት ይቕየር ምህላው ገሊፆም::
ኣይተ ፀጋይ ገብረተኽለ ሓላፊ ቤትፅሕፈት ሕርሻ ወረዳ እንደርታ ኣብ ወረዳ እንደርታ ዓመታዊ ስራሕ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ኣብ 32 መፋስስ ዝርከብ 2753 ሄክታር መሬት ካብ 2 ለካቲት 2012 ጀሚሩ ክኻየድ ፀኒሑ ብምኽንያት ለበዳ ቫይረስ ኮረና ጠጠው ክብል ክሳብ ዝወሰነሉ እውን ክሰላሰል ፀኒሑ እዩ ኢሎም::
ኣብታ ወረዳ ዝነበረ ብርሰት ኣግራብ ኣብዚ ሐዚ እዋን ከምዝተረፈ ዝተዛረቡ ኣይተ ፀጋይ: "ዕንፀይትን ፈሓምን ይሽከማ ዝነበራ ኣእዱግ እንደርታ ኣብዚ ሐዚ እዋን ፍራምረን ኣትኽልቲን ፅዒነን እየ ናብ ዕዳጋ ዝወፍራ" ኢሎም::