መቐለ —
ኣብ ክልል ትግራይ ዝተራእየ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ልዕሊ ዘራእቲ ዘብፅሖ ጉድኣት ንምክልኻል ዘበፅሑ ዘራእቲ ናይ ምእካብ ስራሕቲ ይፍፀም ኣሎ ክብል ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን እቲ ክልል ኣፍሊጡ::
እቲ ቢሮ ከምዝሓበሮ ዘበፅሑ ዘራእቲ ኣብ ምዕፃድን ምእካብን ነበርቲ እቲ ክልል ናብ ግራት ሓረስቶት ብምኻድ ይሕግዙ ኣለዉ ኢሉ::
እቲ ዕስለ ኣምበጣ ክሳብ ሎሚ መዓልቲ ኣብ 29 ወረዳታት ተዛምትቱ ይርከብ ተባሂሉ::