ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልል ትግራይ፡ ካብ ዩኒቨርስቲታት ተመሪቖም ንዓመታት ስራሕ ዘይረኸቡ መናእሰይ ንፀገም ምቕልዖም ይዛረቡ


ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ዩኒቨርስቲታት ተመሪቖም ንዓመታት ስራሕ ዘየረኸቡ መናእሰይ ንፀገም ምቕልዖም ተዛሪቦም።

ኣብ ቀረባ እዋን ድማ መንግስቲ ካብ ሰለስተ ዞባታት ፈልዩ ስራሕ ብምምዳብ ኣድልዎ ፈፂሙ ክብሉ እዞም ደለይቲ ስራሕ መንእሰያት መረረቶም ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም።

መንግስቲ እቲ ክልል ብወገኑ ካብቶም ሰለስተ ዞባታት ብፍሉይ ስራሕ ክረኽቡ ዝተገበረ እቶም ከባቢታት ብልምዓት ንድሕሪት ዝተረፉ ብምዃኖም እዩ ኢሉ።

ካብ ዩኒቨርስቲ ተመሪቖም ንብዙሕ ዓመታት ስራሕ ከምዘይረኸቡ ዝገለፁ እዞም መናእሰይ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ተኣኻኺቦም ንመንግስቲ እዚ ክልል መረረት ንምቕራብ ናብ ከተማ መቐለ ምጉዓዞም ሓቢሮም ብፍላይ ብሞያ ምህንድስና ስራሕ ንምርካብ ይፅገሙ ከምዘለው ገሊፆም።

ኣብርሃ ኣፅብሃ ኣብ 2008 ዓ.ም ተመሪቑ ክሳብ ሐዚ ስራሕ ዘይምርካቡ ይዛረብ። ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ፀገም ኣለኹ ድማ ይብል።

"ኣብ ቀረባ እዋን ድማ መንግስቲ እዚ ክልል ካብ ዞባታት ደቡብ፣ ሰሜን ምዕራብን ምዕራብ ጥራሕ ተፈልዮም ብዘይ ውድድር ስራሕ መዲብዎም ኣሎ በዚ ድማ ኣድልዎ ተፈፂሙ" ክብል ይኸስስ።

ብፍላይ ድሕሪ 2007 ዓ. ም ዝተመረቑ ሰብ ሞያ ምህንድስና ስራሕ ከምዘይረኽቡ ዘለዉ እዩ ይዛረቡ።

"መንግስቲ ብፖሊሲ ንተፈጥሮ ሳይንስ ጠመተ ብምግባር ኣብ ዩኒቨርስቲታት 70 ሚእታዊ ተማሃሮ በዚ ዓውዲ ክስልጥኑ ይገብር ኣሎ ኮይኑ ግና ብዙሓት ተመሪቕና ስራሕ ከይሓዝና ኣብ ጸገም ንርከብ ኣለና" ዝበለ ድማ ዘካርያስ የዕብዮ ዝተብሃለ መንእሰይ እዩ።

እቲ ዘሎ ፀገም መንግስቲ ክፈትሖ ዋላ ተሓተቱ ዝወሃበና ምላሽ ኣዕጋቢ ኣይኮነን ይብል።

እዚ ናይ ኣድልዎ ኣሰራርሓ ደው ብምባል መንግስቲ ኩሎም ደለይቲ ስራሕ ኣወዳዲሩ እንተዘይቖፂሩ ኣብ ቀረባ እዋን ሰላማዊ ሰልፊ ክነካይድ ኢና ድማ ኢሎም።

ኣብዚ ጉዳይ ምላሽ መንግስቲ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፃዕሪ ኣይሰመረን። ሓላፊት ቢሮ ሲቪል ሰርቪስ ክልል ትግራይ ወይዘሮ ሰብለ ካሕሳይ ኣብዚ ጉዳይ ጠሚቱ ንመራኸቢ ብዙሃን እቲ ክልል ኣብ ዝሃብኦ መግለፂ ካብ ዞባታት ደቡብ፣ ሰሜናዊ ምዕራብን ምዕራብን ልዕሊ 3000 ደለይቲ ስራሕ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ከምዝተመደቡ ተዛሪበን።

እዞም ደለይቲ ስራሕ ካብዞም ዞባታት ዝተመረፁ እቶም ከባቢታት ብልምዓት ድሕሪት ዝተረፉ ብምኳኖም እዩ ኢለን።

ኣብ ትግራይ 295 ሸሕ ደለይቲ ስራሕ መናእሰይ ከምዘለዉ ካብ ቢሮ ጉዳይ መናእሰይን ስፖርትን እቲ ክልል ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG