መቐለ —
ኣብ ዞባ ምዕራብ ክልል ትግራይ :ቆራሪት ኣብ ትበሃል ከተማ: ነበርቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ብምክያዶም ይእሰሩ ከምዘለዉ ኣፍሊጦም::
ኣብዚ ክልተ መዓልታት ልዕሊ 150 ሰባት ከምዝተኣሰሩ ነበርቲ ንድምፂ ኣሜሪካ ተዛሪቦም ኣለዉ::
ምምሕዳር እታ ከተማ ብወገኑ ተኣሲሮም ተባሂሉ ዝተገለፀ ቁፅሪ ሰባት፥ ዝተጋነነ`ዩ: ናይ ህዝቢ ሰላም ንምህዋኽ ዝሰርሑ ሰባት ብምፍላይ ግን ናይ ምእራም ስራሓት ንፍፅም ኣለና ክብል ኣፍሊጡ::