ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልል ትግራይ ንምክልኻል ቫይረስ ኮረና ዳህሳስ ገዛ ንገዛ ይካየድ ምህላው ተገሊጹ


ኣብ ክልል ትግራይ ንምክልኻል ቫይረስ ኮረና ካብ ትማሊ ጀሚሩ ገዛ ንገዛ ዳህሳስ ለበዳ እቲ ሕማም ይካየድ ኣሎ:: ምክትል ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ: እቲ ዳህሳስ ኣብ ትግራይ ኩነታት እቲ ለበዳ ንምፍላጥ ሓጋዚ እዩ ኢሎም::

ብተወሳኺ ንሶም ቫይረስ ኮረና ንምክልኻል ኣብ ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ ተጋሩ ፖለቲካዊ እሱራት ክፍትሑ ይግባእ ኢሎም:: ኣብ ጉዳይ እቶም እሱራት ጠሚቱ ካብ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ፌዴራል ኢትዮጵያ ምላሽ ንምርካብ ብተደጋጋሚ ዝገብርናዮ ፃዕሪ ኣይሰመረን::

ምኽትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል: ትማሊ ንጋዜጠኛታት እቲ ክልል ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ንምክልኻል ቫይረስ ኮረና ዘተባብዕ ውፅኢት ተረኺቡ እዩ ኢሎም:: ኣብቲ ክልል ቫይረስ ኮረና ንምክልኻል ኣዋጅ ህጹፅ ግዘ ዝተኣወጀ ከምቲ ንዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ዝነበረ ትካላት ምዕፃውን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝግበር ምንቅስቓስ ምኽልካል ኣይቕፅልን ኢሎም:: ኮማንድ ፖስት ምክልኻል ቫይረስ ኮረና ክልል ትግራይ በብእዋኑ ህልዊ ኩነታት እናርኣየ ምምሕያሽ ክገብር እዩ ኢሎም::

ከም ኣብነት ካብ ትማሊ ሶኑይ ጀሚሩ ምኽፋት እንዳ ፅሟቕ ኣካል እቲ ምምሕያሽ ምኻኑ ሓቢሮም::

ብተወሳኺ ኣብ ትግራይ ለበዳ እቲ ቫይረስ ንምግምጋም ዘኽእል ስራሕቲ ዳህሳስ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ኣብ መላእ ኣባይቲ ክልል ትግራይ ይካየድ ኣሎ:: ኣብዚ ገዛ ንገዛ ዝካየድ ስራሕ ዳህሳስ ልዕሊ 23 ሽሕ ሰብ ሞያ ይሳተፉ ምህላው ተገሊጹ:: እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ለበዳ እቲ ቫይረስ ኣብ ትግራይ ከብፅሖ ዝኽእል ፅልዋ ንምርዳእ እቲ ስራሕቲ ዳህሳስ ልዑል ግደ ኣለዎ ኢሎም:: ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ብዘይተፈለጠ ምኽንያት ናብ ትግራይ ኣትዩ ከይኸውን ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ናይ ዝሞቱ ሰባት ምኽንያት ሞት ይምርመር ምህላዉ ዶክተር ደብረፅዮን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተዛሪቦም ነይሮም:: ኣብ ውሽጢ እቲ ክልል ኩነታት እቲ ለበዳ ዘየስግእ እንተኾይኑ እቲ ስራሕቲ ምክልኻል ካብቲ ክልል ወፃኢ ንዝመፁ ሰባት ልዑል ጠመተ ክወሃብ ኢሎም:: ዶክተር ደብረፅዮን ኣብ ዘረብኦም ኣብ ልዕሊ ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ዝተኸፈተ ወፍሪ ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ዘለዎ እዩ ኢሎም::

"ዶክተር ቴድሮስ ኣብዚ ፈተኒ እዋን ታሪኻዊ ዕማም ይፍፅም ኣሎ" ክብሉ ተዛሪቦም:: ንቫይረስ ኮሮና ይኹን ንኻልእ ኣንፃርና ዝለዓል ምንቅስቓስ ዝምክት እኹል ዓቕሚ ኣለና ዝበሉ ዶክተር ደብረፅዮን ኣብዚ እዋን ዘበሳብሰና ሓይሊ ኣይክህሉን ኢሎም። እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር "ፓለቲካዊ እሱራት ተጋሩ" ኣለዉ ብምባል እዚኦም ቅድም ኢሎም ክፍትሑ ዋላዃ እንተነበሮም ሐዚ ግና ብምኽንያት ኮሮና ክፍትሑ ይግባእ ኢሎም። እሱራት ፖለቲካ ክፍትሑ ይግባእ ኢሎም ዶክተር ደብረፅዮን ንዘልዓልዎ ሕቶ ካብ ሰብስልጣን መንግስቲ ፌዴራል ምላሽ ንምርካብ ብተደጋጋሚ ዝገበርናዮ ፃዕሪ ኣይሰመረን:: ቅድሚ ሐዚ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ እሱር የለን ብምባል ንዝለዓል ክሲ ምላሽ ክህብ ፀኒሑ እዩ:: ንሶም ወሲኾም ልዕና ሕጊ ንምኽባር መረዳእታ ብምሓዝ እዩ ዝኸስስ እምበር ብሄር ብምፍላይ ወይ ድማ ብፖለቲካዊ እምነት ዝእሰር ኮነ ዝኽሰስ የለን ብምባል ምላሽ እናሃበ ፀኒሑ እዩ ኢሎም::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::


XS
SM
MD
LG