ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልል ትግራይ ንምክልኻል ቫይረስ ኮረና ዝተጀመረ ዳህሳስ ገዛ ንገዛ ተዛዚሙ


ኣብ ክልል ትግራይ ንምክልኻል ቫይረስ ኮረና ዝተጀመረ ዳህሳስ ገዛ ንገዛ ትማሊ ተዛዚሙ:: ብመሰረት እቲ ዳህሳስ ኣብ መላእ ትግራይ 33 በቲ ቫይረስ ዝተጠርጠሩ ተፈልዮም ኣለው ክብል ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ኣፍሊጡ'ሎ::

ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ዶክተር ሓጎስ ጎድፋይ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ: ካብ ሶኑይ 05 ሚያዝያ ጀሚሩ ንተኸታታሊ ኣርባዕተ መዓልታት ንምክልኻል ቫይረስ ኮረና ገዛ ንገዛ ዳህሳሳ ብምክያድ ትማሊ 08 ሚያዝያ 2012 ከምዝተዛዘመ ተዛሪቦም::

ዶክተር ሓጎስ ሕብረተሰብ ኣብቲ ለበዳ ዘለዎ ግንዛበ እንታይ ከምዝመስል ዝረኣየሉ፣ ኣብ ነፍስወከፍ ስድራ መከላኸሊ ናውቲ ምህላዎምን ዘይምህላዎምን ዝረጋገፀሉን እዩ ነይሩ ክብሉ ገሊፆም:: በቲ ዳህሳስ ብቫይረስ ኮሮና 33 ጥርጡራት ከምዝተረኸቡ ድማ ሓቢሮም:: ዶክተር ሓጎስ ኣብ መግለፂኦም ኣብቲ ዳህሳስ ቅድሚ 10 ዓመት ብዝተኻየደ ቆፀራ ህዝቢ መሰረት 1.3 ሚልዮን መራሕቲ ስድራ ክካተቱ ተመዲቡ እንተነበረ ኮይኑ ግና ኣብ 1,550 ,000 መራሕቲ ስድራ ዳህሳስ ከምዝተኻየደ እቶም ሓላፊ ገሊፆም:: እቲ ዳህሳስ ንፈለማ እዋን ዝተኻየድን ምስ ምዃኑ ተተሓሒዙ ኣብ ከይዲ ኣፈፃፅምኡ ክፍተታት ኣለዎ ኢሎም ከምዝኣምኑ ዝገለፁ ዶክተር ሓጎስ ጎድፋይ: ኣብ ትግራይ እቲ ሕማም ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘለዎ ኩነታትን ንቐፃሊ ከመይ ስራሕቲ ክካየድ ከምዝግባእ ንምፍላጥ ዝሓገዘ እዩ ኢሎም::

ዶክተር ሓጎስ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታትን ወፃኢ ሃገራትን ናብ ትግራይ ዝኣትዉ ኣጋይሽ ን14 መዓልታት ክውሸቡ ብመሰረት ዝተወሰነ ይስራሕ ኣሎ ክብሉ ተዛሪቦም:: ብምኽንያት በዓል ትንሳኤ ምስ ስድራ በዓል ንምኽባር ጉዕዞ ናብ ትግራይ ከካይዱ ዝተለሙ ሰባት እቲ በዓል ኣብ መወሸቢ ማእኸል ከምዘብዕልዎ ተረዲኦም ኣብ ዘለዉዎ ክፀንሑ ዶክተር ሓጎስ ሓቲቶም:: ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ዶክተር ሓጎስ ጎድፋይብቐፃሊ ንለበዳ ቫይረስ ኮረና ዝተቓልዑን ካብተን ኣዐርየን ዝተጠቕዓ ሃገራት ናብ ትግራይ ዝኣተዉ: ናይ ነዊሕ ጉዕዞ ዘወርቲ መኪና: ኒሞንያ ዝተረኸቦም፣ ኣብ ልዑል ክትትል ሕክምና ዝርከቡ ሕሙማትን ኣብ ሃንደበታዊ ክፍሊ ዝሰርሑ ሰብ ሞያ ጥዕናን ቐዳምነት ተዋሂብዎም ምርመራ ክካየደሎም እዩ ኢሎም ::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ::


XS
SM
MD
LG