ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልል ትግራይ: ትካል ህጻናት ሕ/ሃ ኣስታት 33 ሽሕ ህጻናት ኣብ ከቢድ ሕጽረት መግቢ ከምዝርከቡ ኣፍሊጡ


ኣብ ትግራይ ዝቀጸለ ውግእ፣ ንዓሰርተታት ኣሻሓት ቆልዑ ኣብ ኩነተ ጥምየት ኣውዲቅዎም ከምዘሎ ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሴፍ) ገሊጹ።

ኣብ ርሑቅ ከባቢታት ዘለው ብውሑድ 33 ሽሕ ህጻናት ኣብ ከቢድ ሕጽረት መግቢ ከምዝርከቡን ህጹጽ ሓገዝ እንተዘይቀሪቡሎም ክሞቱ ከምዝኽእሉን ዩኒሴፍ ጠቂሱ ኣሎ።

2.2 ሚልዮን ህጻናት ትግራይ ንከቢድ ሕጽረት መግቢ ተቃሊዖም ከምዘለው ዝዝከር እዩ። እኽሊ እንተዘይተዘሪኡን ሓገዝ መግቢ ኣብ እዋኑ እንተዘይቀሪቡን፣ ኣብ’ዘን ዝቅጽላ ኣዋርሕ ኩነታት ናብ ዝሓመቀ ደረጃ ክወርድ ከምዝኽእል’ውን እቲ ሪፖርት ሓቢሩ።

ብመሰረት’ዚ፣ ዮኒሴፍ ኣብ’ቲ ግጭት ይዋስኡ ዘለው ሓይልታት፣ ሰብኣዊ ሓገዛት ብዘይ ዕንቅፋት ንክባጻሕን ንሓደጋ ጥምየት ንምውጋድ ንከሐግዙ ጸዊዑ ኣሎ ።

XS
SM
MD
LG