ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልል ትግራይ ብኣፍሪቃዊ ሕብረት ዝምእከል ዘተ-ሰላም ከም ዝቕበል ይገልጽ


ከተማ መቐለ- ፋይል
ከተማ መቐለ- ፋይል

ብህወሓት ዝምራሕ መንግስቲ ክልል ትግራይ፡ ብኣፍሪቃዊ ሕብረት ዝምእከል ዘተ-ሰላም ኢትዮጵያ ክቕበልን ቅልጡፍ ምቍራጽ ተጻብኦታት ክግበርን ድሉው ምዃኑ ብሰንበት ብመገዲ ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ወጻኢ ኣቢሉ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ዘተ ዝሳተፉ ኣባላቱ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤን ኣይተ ጌታቸው ረዳን ምዃኖም ንፈለማ እዋን ዝረቝሐ እቲ መግለጺ፡ ብኣፍሪቃዊ ሕብረት ዝግበር ኵሉ-ሓቆፍ ዘተ ክቕበል ድሉው ምዃኑን ንምስላጥ እቲ ዘተ ድማ ዝከኣሎ ክግብርን ምዃኑ ጠቒሱ።

ክልል ትግራይ ኣቐዲሙ ብኬንያ እምበር ብኣፍሪቃዊ ሕብረትን ፕረዚደንት ናይጀሪያ ነበር ኦሊሰገን ኦብሳንጆ ዝምእከል ዘተ-ሰላም ከም ዘይቅበል’ዩ ክገልጽ ጸኒሑ። እዚ መግለጺ ዝወጽእ ዘሎ ድሕሪ ኣዋርሕ ዝኸደ ምቍራጽ ተጻብኦታት ሓድሽ ኲናት ብ24 ነሓሰ ድሕሪ ምጅማሩ’ዩ።

ኣቦ-መንበር ኣፍሪቃዊ ሕብረት፡ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፡ ሓላፊ ዝምድናታት ወጻኢ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካን፡ ብስሙ ረቚሖም፡ ክልል ትግራይ ብሓጐስ ምቕባሎም ኣፍሊጦም ኣለዉ። ክልተ ወገናት ነቲ ዝተባህለ ከይዲ ሰላም ንምትግባር ዝከኣሎም ክሰርሑ ምዃኖም’ውን ጠቒሶም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቐዲሙ ብኣፍሪቃዊ ሕብረት ዝዝወር ዘተ ሰላም ጥራይ ከም ዝቕበል’ዩ ከፍልጥ ጸኒሑ። ንሓድሽ መግለጺ ክልል ትግራይ ኣመልኪቱ ግን ብወገን መንግስቲ ዛጊት ዝተዋህበ ምላሽ የሎን።

XS
SM
MD
LG