ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልል ትግራይ ብሕቡራት ሃገራት ዝተላእከ ሓገዝ ብዘይምብጻሑ ይኸስስ


መቐለ
መቐለ

ብፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ መሰረታዊ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጸዓና 20 መካይን፡ ካብ ግቡእ ቦታአን ይበገሳ ደኣ’ምበር፡ ንኽልል ትግራይ ከም ዘይኣተዋን፡ ነዚ ድማ ተሓታቲ ክልል ዓፋርን መምርሒ ከተግብር ዘይከኣለ ፈደራላዊ መንግስቲን’ዩ ክብል ቤት ፅሕፈት ዝምድናታት ክልል ትግራይ ከሲሱ።

እቲ ቤት ጽሕፈት ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ ናይ ጽሑፍ መግለጺ፡ እተን መካይን ጽዕነት ክልል ትግራይ ንኽበጽሓ ብፈደራል መንግስቲ ፍቓድ ደኣ ይወሃበን እምበር፡ ኣብ ክልል ዓፋር ተዓጊተን ደው ምባለን ኣዝዩ ኣሕዛኒ ተርእዮን ንሞትን ጥሜትን ዘቓልዕ ውሳነን ክብል ብትሪ ኮኒኑዎ። ክልል ትግራይ፡ ምስ ኵላቶም መሻርኽቲ ኣካላት ምሉእ ምትሕብባር ክገብር ምዃኑ ዝጠቐሰ መግለጺ እቲ ቤት ጽሕፈት፡ ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ዘፍቅድ መሲሉ ግን ከኣ ብሕልኽላኽ ቢሮክራሲ ሓገዛት ዘዳናጒ ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክዅንን ጸዊዑ።

ካብ መንግስታዊ ኣካልን ክልል ዓፋርን ግብረ መልሲ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰለጠን።

XS
SM
MD
LG