ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልል ትግራይ : ብሓደ ግዱስ ውልቀሰብ ተበግሶ ዝተሰርሓት መባእታዊ ሆስፒታል ስርሓ ጀሚራ


ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ጉሎ መኸዳ ከተማ ፋጺ፡ ሓደ ግዱስ ሰብ ብዘበገሶ ሓሳብ መባእታዊ ሆስፒታል ተሰሪሓ ኣገልግሎት ምሃብ ጀሚራ`ላ። እታ “መባእታዊ ሆስፒታል ዶክተር ጸጋይ ፋጺ” ተባሂላ ትጽዋዕ ሆስፒታል፡ ትህቦ ዘላ ኣገልግሎትን ዘለዋ ሕጽረታትን ብዝምልከት ንዳይሬክተር`ታ ሆስፒታል ገብረዮሃንስ ገብረመድህን ኣዘራሪቡ`ሎ፡፡

መባእታዊ ሆስፒታል ዶክተር ፀጋይ ፋፂ ኣብዚ ዓመት ማለት 2010 ዓ.ም ስርሑ ጀሚሩ ኣሎ፡፡ ውሽጣዊ ትሕዝትኡ ንምፍላጥ ዳይረክተር መባእታዊ ሆስፒታል ዶክተር ፀጋይ ፋፂ ገብረዮሃንስ ገብረመድህን ከመይ ተሰሪሑ ዝብል ሕቶ ዝሃቦ ምላሽ “ተወለድቲ ጉሎምኻዳ ጉዱስ በዓል ሃፍቲ ዶክተር ፀጋይ ገብረእግዝኣበሄር በዘለዓዓሎም ካልኦት መሳርሕ’ዩ ፈረንጂ ሓዊሱ መበገሲ ገይሮም ልዕሊ 20 ሚልዮን ኣስተዋፅኦ ገይረሮም ፡፡ ልዕሊ 26 ሚልዮን ድማ መንግስቲ ኣስተዋፅኦ ገይሩ እዩ፡፡ ጠቅላላ 46 ሚልዮን 4 ሚልዮን ድማ ወረዳ ጉሎምኻዳ ካብ ናይ መንግስቲ በጀት ኣስተዋፅኦ ገይሩ እዩ፡፡ ነቲ ህዝቢ ካሕሳ ዝኸውን ድማ 4 ሚልዮን ኪሒሱ እዩ፡፡ ስለዚ ብጠቅላላ ስጋብ 50 ሚልዮን አዩ ነይሩ መበገስኡ መጀመርያ ክህነፅ ከሎ፡፡ ድሓር ድማ ዝተረሰዑ ነይሮም ንሶም ሓዊስካ ስጋብ 60 ሚልዮን ወዲኡ እዩ፡፡ ድሕሪ ምባል ኣብቲ መባእታዊ ሆስፒታል ቅድሚ ሕዚ ዘይውሃቡ ዝነበሩ ናይ መጥባሕትን ካልእን ግልጋሎት እናሃበ ይርከብ፡፡

ኣብቲ መባእታዊ ሆስፒታል ንወሊድ መፂአን ብሰላም ተገላጊለን ዝፀንሐና ኣዴታት እውን ተወኪሰየን ነይረ፡፡ ብድምር ብሰላምን ብዝተማልአ ሓገዝን መሳርሕ ብሰላም ክንወልድ ኪኢልና ዝብል ሓሳብ ዝርከቡ ርእይቶ ሂበን ኣለዋ፡፡

https://tigrigna.voanews.com/a/4357229.htmlምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል፡፡

XS
SM
MD
LG