ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልል ትግራይ: ሰለስተ ውድባት ፖለቲካ ኣብቲ ክልል ምርጫ ንምክያድ ዘድልይ ምንቅስቃስ ይካየድ የለን ክብሉ ወቒሶም


ኣብ ክልል ትግራይ ዝንቀሳቐሳ ሰለስተ ውድባት ኣብቲ ክልል ምርጫ እንተዘይተኻይዱ ሕጋዊ መንግስቲ ስለዘይህሉ ነዚ ኩነታት ምፍጣር ተሓታቲ መንግስቲ እቲ ክልልን እቲ ክልል ይመርሕ ዘሎ ውድብን እዩ ኢሎም:: እቶም ውድባት ብሓባር ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ብደረጃ ክልል ኣብ ክልል ትግራይ ምርጫ ክካየድ እዩ ዝብል ብገዛኢ ውድብ እቲ ክልል መግለፂ እንተተውሃበ ስሩዕ ዝኾነ ምንቅስቓስ ኣይተጀምረን ክብሉ ወቒሶም:: ኣብዚ ጉዳይ ምላሽ ዝሓተትናዮም ላዕለዋይ ኣመራርሓ እቲ ክልል: ምርጫ ንምክያድ ፖለቲካዊ ውሳነ ተዋሂቡ ይስራሕ ኣሎ ብምባል ኮይኑ ግና ርኡይ ዝኾነ ስራሕቲ ሕጊ ንምፍፃም ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ኣብ ጉዳይ ምርጫ ናይ መወዳእታ ውሳነ ከሕልፍ ይግባእ ኢሎም::

ሳልሳይ ወያነ ትግራይ: ባይቶናን ውድብ ናፅነትን ሎሚ ብሓባር ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ቅዋም ኣብ ትግራይ ብክልል ደረጃ ምርጫ ንምክያድ ዘድሊ ርኡይ ምንቅስቓስ ኣይግበርን ዘሎ ብምባል ወቒሶም:: ሰለስቲኦም ውድባት ኣብ ትግራይ ምርጫ ኣብ እዋኑ ክሳለጥ ብነፍሲ ወከፍ ቅድሚ ሐዚ መርገፂ ሒዞም ይንቀሳቐሱ ዝነበሩ ኮይኖም ሎሚ ድማ ብሓባር ኣብ ክልል ትግራይ ምርጫ ክካየድን ነቲ ምርጫ ዘድልዩ ስራሕቲ ድማ ርኡይ ምድላዋት ድማ ክጅመር ፀዊዖም:: እቶም ውድባት ኣብ መግለፂኦም "ትግራይ ብልዑል መስዋእቲ ዝተረጋገጸ መሰል ዓርሰ ውሳነ ብዝኾነ ምኽንያት ኣሕሊፋ ክትህብ ኣይንፈቅድን" ኢሎም:: መግለፂ እቶም ውድባት ከምዝሕብሮ ካብ ቀንዲ መግለፂታት መሰል ዓርሰ ውሳነ ድማ ምርጫእዩ ክብል ጠቒሱ::

ምርጫ እንድሕር ዘይተኻይዱ ኣብ ክልል ትግራይ ንምምሕዳር ሕጋዊ ስልጣን ዘለዎ ውድብ ኣይህሉን፡፡ ስለዝኾነ ትግራይ ብህዝቢ ዝተመረፀ ሕጋዊ መንግስቲ ክህልዋ ኣለዎ፡፡ ኣብ ክልል ትግራይ ምርጫ ክካየድ እዩ ካብ ዝብል ወፃኢ: ገዛኢ ውድብ መንግስቲ እቲ ክልል: ትግራይ ተቐባልነት ዘለዎ ፍትሓውን ዴሞክራሰያውን ምርጫ ክተካይድ ከም ገዛኢ ውድብ መጠን ሓላፍነት ተሰሚዕዎ ግልጽን ዘየሻምን መትከል ኣይሓዘን ክብሉ እቶም ውድባት ወቒሶም:: ፍትሓውን ዴሞክራሰያውን ምርጫ ንምክያድ ድማ ጥጡሕ ፖለቲካዊ ምህዳር ክህሉ ይግባእ፡፡ እዚ ክሳብ ሎሚ ኣብ ትግራይ ኣይተፈጠረን፡፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ዘርእዩ ዘሎ ሓላፍነት ዝጎደሎ ዕሽሽ ምባል ኣትሪርና ንቃወም ኢሎም:: ኣብቲ ክልል ምርጫ እንተዘይተኻይዱ ሕጋዊ መንግስቲ ስለዘይህሉ ነዚ ኩነታት ምፍጣር ተሓታቲ መንግስቲ እቲ ክልልን እቲ ክልል ይመርሕ ዘሎ ውድብን እዩ ኢሎም::

ኣብዚ ጉዳይ ምላሽ ንምርካብ ንሓላፊ ቢሮ ፍትሕ መንግስቲ ክልል ትግራይን ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ ሓቲትና: ምርጫ ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ ድልየት ከምዘይነብረ ህወሓት ኣቐዲሙ ስለዝተረደአ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር መርገፂኡ ንጹር ጌሩ’ዩኢሎም:: ኣብቲ እዋን ከም ሃገር ምርጫ ዘይካየድ እንተኾይኑ ምርጫ ከም ክልል ክካየድ ኣንፈት ተነፂሩ ነይሩ ኢሎም:: ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ ብሰንኪ ለበዳ ቫይረስ ብዝብል ምርጫ ክናዋሕ እዩ ተባሂሉ ምስተገለፀ ከም ህወሓት እቲ ምርጫ ኣብ ትግራይ ክካየድን ምድላዋት ክግበር ተወሲኑ ክብሉ ተዛሪቦም:: ውሳነ ገዛኢ ውድብ ድማ ቅዋም መንግስቲ እት ክልል ምኻኑ ፕረዚደንት መንግስቲ ትግራይ ኣብ መግለፂኦም ኣነፂሮም እዮም ክብሉ ኣይተ ኣማኑኤል ገሊፆም:: ኣብዚ ሐዚ እዋን ብወገን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ናይ መወዳእታ ውሳነ ስለዘይተውሃቦ ኣዋጅ ምውፃእ ይኹን ስራሕ ምልዕዓል ብግልፂ ክጅመር ኣይክእልን ኢሎም:: ካብ ኩሉ ንላዕሊ ግና እቲ ምርጫ ንክካየድ ብወገን ክልል ትግራይ ፖለቲካዊ ውሳነ ተዋሂብሉ እዩ ክብሉ ሓቢሮም:: ህወሓት ዝወሰኖ ውሳነ ዝትግበር እምበር ንዘረባ ጥራሕ ተባሂሉ ኣይኮነን ዝበሉ ኣይተ ኣማኑኤል ህዝብና ዝተቓለሰሉ መሰሉ ክጥቀም ንምግባር እዩ ኢሎም:: ምስቶም ውድባት እውን ብሓባር ክንሰርሕ ኢና ክብሉ ገሊፆም::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::


XS
SM
MD
LG