መቐለ —
ድሕሪ ክልተኣዊ ምቍራጽ ተጻብኦታት፡ ናብ ክልል ትግራይ ዝኣተዋ ብዝሒ ረድኤት ዝጻዓና መካይን 26 ጥራሕ ከምዝኾና ሓላፊት ቢሮ ርክብ መንግስቲን ህዝብን ክልል ትግራይ ወ/ሮ ሊያ ገሊጸን።
ንሰን ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃበኦ መግለጺ "ኣብ ዝኸፍአ ኩነታት’ውን እንተኾነ ረድኤት ኣብ ትሕቲ ቅድመ ኩነታት ክኣትው ዘይግባእ እዩ" ኢለን።
ሚኒስትር ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዶ/ር ለገሰ ቱሉ ብወገኖም "ረድኤት ናብ ትግራይ ንክኣትው፣ ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልል ዓፋር ይውጽኡ፣ መጠን ረድኤት ዝውስኖ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘይኮነስ ረድኤት ዝልግሱ ወገናት እዮም" ምባሎም ይዝከር።