ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልላዊ መንግስቲ ዓፋር ኣስታት 70 ሽሕ ሰባት ካብ መነባብርኦም ምፍንቓሎም ገሊጹ


ኽልላዊ መንግስቲ ዓፋር፡ 'ጁንታ' ኢሉ ዝጸውዖም ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ ሓረስቶት ዓፋር ብዝወሰድዎ መጥቃዕቲ 70 ሺሕ ዝግመት ህዝቢ ምዝንባሎም ኣፍሊጡ። ኣርባዕተ መዕቆቢ ካምፕታት ብምድላው ድማ ከስፍሮም ይሰርሕ ከምዘሎ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ሓደጋ`ቲ ኽልል መሓመድ ሑሰን ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ። ብኻልእ ወገን ኣብ ዂናት ዓወት ተጎናጺፍና ዝብል መግለጽታት ይወጽእ ኣሎ።

ዳይሬክተር ህዝባዊ ርክባት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ሌ/ኮ ጌትነት ኣዳነ፡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰራዊት ምክልኻል፡ ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ኣለሌን ሱሉላን ከምኡ`ውን ኣብ ቆቦ፡ ኣሸባሪ ኢሉ ንዝጸውዖ ጉጅለ ህወሓት ከም ዝደምሰሰ ኣፍሊጡ። ነቲ ኮሌኔል ዝጠቐሰ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ብስእሊ ኣደጊፉ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ህወሓት ኣብ ውግእ ኣእትዩዎም ዝተባህሉ ሕጻናት፡ ብሰራዊት ምክልኻል ምምራኾም ይገልጽ።

ብኻልእ ወገን፡ ድምጺ ወያነ፡ ኮማንድ ፖስት ትግራይ ኢሉ ዝገለጾ ኣካል ጠቒሱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ክልል ዓፋር ኣውላዕ ዝተባህለ ከባቢ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ዓወት ከምዝተጎናጸፈን ወተሃደራት ከም ዝማረኸን ገሊጹ`ሎ።

ንዝተመዛበሉ መፅለሊ ኣርባዕተ ጣቢያታት ይሰርሑ ከምዘለው ዝጠቐሱ እቶም ሓላፊ ንዝተወሰኑ ተመሳበልቲ ሓገዝ ከምዝተውሃበ ገሊፆ ም።

ብመንፅር ክብደት ናይቲ ፀገም ብናይቲ ክልል መንግስቲ ፃዕሪ ጥራሕ ሰብኣዊ ሓገዝ ምብፃሕ ስለዝኸብድ ኣብቲ ከባቢ ምስ ዝርከቡ ዓለምለኸ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ከምዝተዘራረቡ ጠቒሶም።

ናይ ማይን ኣገልግሎታት ፅርየትን ሓገዝ ከምዘድሊ እውን ኣመልኪቶም።

ዝተወሰኑ ተመዛበልቲ ናብ ካፕታት ምእታዎም ብምሕባር ሕዚ እውን እ ቲ ውግእ ብዘስዓቦ ተፅዕኖ ካብ ከባቢኦም ተመዛቢሎም ፈቖዶ ከባቢታት ዝተሓብኡ ኣለው ይብሉ።

ብሰንኪ ሰብ ሰራሕን ተፈጥሮን ፀገማት ህዝቢ ዓፋር ብፍላይ ድማ እንስሳት ብምርባሕ ዝናበሩ ኣንፀላሊዩዎም ዘሎ ሓደጋ ኢትዮጵያዊያን ተሓባቢሮም ከድሕኑዎም ፃውዒት ኣቕሪቦም ኣለው።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብቲ ውግእ ይሳተፉ ዘለው ኣካላት ዓወት ረኺብና ክብሉ መግለፂ ኣውፂኦም ኣለው።

ንዳይረክተር ርክባት ህዝቢ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኮሎኔል ጌትነት ኣዳነ ዝጠቐሰ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ሰራዊት ምክልኻል ፌደራል ኣብ ክልል ዓፋር ኣለሌ ስሉላን ቆቦን ኣሸባሪ ኢሉ ንዝፀውዖም ሓይልታት ትግራይ ከምዝደምሰሰ ገሊፁ።

እቶምኮሎኔል ኣብ ክልል ዓፋር ከባቢ ኣለሌ ሱሉላ ‘’ሜይደይ’’ ብዝብል ሽም ዝፍለጥ ሓይሊ ናይ ‘’ሽብር’' መጥቓዕቲ ብምፍፃሙ ምሉአ ብምሉ ተደምሲሱ ምባሎም ኢዜኣ ፀብፅቢ ኣሎ።

ብቆቦ ዝተኸፈትኒ ናይ ሽብር ኢሉ ዝፀውዖ መጥቓዕቲ ንምክልኻል ብዝወሰድኩዎ ስጉምቲ እቲ ጉጅለ ምሉእ ብምሉእ ተደምሲሱ ኢሉ።

ህወሓት ንውግእ ኣዋፊሩዎ ንዝበሎም ትሕቲ ዕደም ቆልዑት ሰራዊት ኢትዮጵያ ምምራኹ እውን ኢዜኣ ፀብፂቡ ኣሎ።

ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ትሕቲ ዕደመ ቆልዑት ወታደራት ኣብ ውግእ ይሳተፉ ዝብል ክሲ ብምንፃግ ሓይልታት ትግራይ ትሕቲ ዕድመ ወታደራት ንዝኽልክል ዓለምለኸ ፕሮቶኮል ከምዘኽብር ሓቢሩ።’’ዋላ ሓደ ቆልዓ ኣብ ስልጠና ይኹን ኣብ ሓይልታት ትግራይ ኣይተሳተፈን’’ ኢሉ።ጋዜጠኛታት፣ ሰብኣዊ ትካላትን ካልኦት ዓለምለኸ ተዓዘብትን ናብ ማእኸላት መሰለጠኒ ይኹን ኣብ ዓውዲ ብኣካል መፂኦም ብዓይኖም ክሪኡ ንዕድም ኢሉ መግለፂ ክልላዊ መንስግቲ ትግራይ።

ብኻሊእ ወገን ወታደራዊ ኮማንድ ፖስት ሓይልታት ትግራይ ኣብ ክልል ዓፋር ዝነበረ ናይ ‘’ፀላኢ’’ ሓይሊ ደምሲሰ ኢሉ።

ክልተ ሓይልታት ኮማንዶ መበል 23 ክፍለ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ሓደ ብርጌድ ፍሉይ ሓይሊ ኦሮሚያ ከምኡ እውን ሓደ ፍሉይ ሓይሊ በጦሎኒ ክልል ዓፋር ምሉእ ብምሉ ተደሚሲሱ ኣሎ ይብል እቲ መግአፂ።ሓደ ኮሎኔል ዝርከቦም 1,200 ወታደራት ተቐቲሎም፣ ልዕሊ 600 ቆሲሎም፣ካብዚ ብተወሳኺ ሓደ ኮሎኔል ዝርከቡዎም 100 ወታደራት ተማሪኾም ዝተረፉ ድማ ኣብ በረኻ ተበታቲኖም ኢሉ።ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ከባቢ ዞብል ዓሪዱ ነይሩ ዝበሎ ናይ ኣምሓራ ፍሉይ ሓይሊ ብምድምሳስ ነቲ ከባቢ ተቖፃፂረዮ ኣለኹ ዝበለ መግለፂ ሓይልታት ትግራይ ብርክት ዝበሉ ኣፅዋራት ማሪኸ ኣለኹ፤ እቲ ውግእ ቀፂሉ ኣሎ ኢሉ።

ከባቢ ቆቦ ግን ሎሚ ኣንጻራዊ ሰላም ሰፊንዎ ምውዓሉ ናብ ቆቦ ደዊሉ ከረጋግጽ ከም ዝኸኣለ- ወኪልና ሓቢሩ`ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::



XS
SM
MD
LG