ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ኣብ ጎንደር ምስ ዘጋጠመ ጎንጺ ብዝተሓሓዝ 370 ጥርጡራት ኣብ ቐይዲ ምእታዉ ሓቢሩ


ጎንደር
ጎንደር

ኣብ ጎንደር ኣብ እዋን ስነ ስርዓት ቀብርን ምስይ ክብል ካብ ዝስትውዓል ናይ ስግኣት ድባብን ወፃኢ ምንቅስቓሳት ናብ ስሩዕ ሰላማዊ ኩነታት ይምለስ ከምዘሎ ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ገለ ነበርቲ ጎንደር ሓቢሮም።

ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣብ ጎንደር ምስ ዘጋጠመ ብዝተሓሓዝ ዝተጠርጠሩ ዝበሎም 370 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ከምዘውዓለ ኣፍሊጡ።

ሎሚ መግለፂ ዝሃቡ ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዶክተር ለገሰ ቱሉ እውን እቲ ስጉምቲ ሓይሉ ክቕፅል እዩ ኢሎም።

ምኽትል ፕረዚደንት ጠቕላሊ ጉዳያት እስልምና ክልል ኣምሓራ ሸኽ ሰይድ መሓመድ ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል ዝሓለፈ ረቡዕ ኣብ ጎንደር ብዝተፈጥረ ግጭት 20 ኣመንቲ እስልምና ቐቲሎም ክብሉ ሓቢሮም ምንባሮም ይዝከር።

XS
SM
MD
LG