ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ሚልሻታት ሱዳን 30 ንግዳዊ ሓረስቶት ካብ ቦትኦም ኣመዛቢሉ ክብል ይከስስ


ፋይል- መተማ
ፋይል- መተማ

ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ፡ ሚልሻታት ሱዳን ብውሕዱ ን30 ዝኾኑ ንግዳዊ ሓረስቶት ካብ ቦትኦም ኣመዛቢሎም ክብል ከሲሱ። ኣመሓዳሪ ዞባ ምዕራብ ጎንደር ቢሰት ወርቀ እቶም ሚልሻ ሱዳን ናብ ከባብታት መተማ ሰጊሮም ንሰላማዊያን ሰባት ኣጥቂዖም ክብል ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ።

ከምኡ`ውን ከም ህወሓትን ዕጡቓት ጉሙዝን ዝበሉ ምስቶም ሚልሻታት ሱዳን ይተሓባበሩ`ዮም ኢሉ። ካብቶም ዕጡቓት ግን ዛጊት ዝተሰምዐ ነገር የለን።

ብዛዕባ`ዚ ብድምጺ ኣመሪካ ዝተሓተተ ወሃቢ ቓል-ሰራዊት ሱዳን ኮ/ል ናቢል ዓብደላ፡ መሓውራት ዜና ነቲ ነገራት ልዕሊ ዓቐን ከም ዝነፍሖ ድሕሪ ምግላጽ፡ ሰራዊት ሱዳን ንቡር ሓለዋ ዶብ የካይድ`ዩ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ኸኣ ምስ ኣባላት ሚልሻ ኢትዮጵያ ይጋጮ`ዩ ኢሉ።

ኢትዮጵያን ሱዳንን ንዓመታት ኣብቲ ኣል-ፋሻጋ ዝብሃል ልሙዕ መሬት ክሰሓሓባ ጸኒሐን`የን።

XS
SM
MD
LG