ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

‘ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ንፌደራል መንግስቲ ምስ ደርጊ ምንፅፃሩ ካልእ ዕላማ ኣለዎ’ ኣቶ ንጉስ  ጥላሁን 


ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ፌደራል መንግስቲ ዘቕረቦ ነቐፌታ ብስምዒትን ቁጥዐን ዝተመልአ እዩ ዝበሉ ሓላፊ ክፍሊ ፕረስ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን “ምኽንያት ሎሚ መፂኡ ናይ ዘሎ ለውጢ ቅድሚኡ ይፍፀም ዝነበረ ግፍዒ እዩ” ኢሎም። ንሶም ወሲኾም ነቲ ክልል ይመርሕ ዘሎ ጉጅለ ከምዚ ዝበለ መግለፂ ዘውፅእ ኣብ ክልል ትግራይ ይልዓል ንዘሎ ሕቶ ኣንፈት ንምስሓት እዩ ኢሎም።

ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ 20 ግንቦት ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣብ ልዕሊ ፌደራል መንግስቲ ብርቱዕ ነቐፌታ ኣቕሪቡኣሎ።ነዚ ምላሽ ዝሃቡ ሓላፊ ክፍሊ ፕረስ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ኣቶ ንጉስ ጥላሁን ነቲ ክልልዝመራሕ ህውሓት ብዙሓትመግለፂታት ምውፅኡ ብምግላፅ ኣብቲ መግለፂ ዝወፁ መልእኽትታት ብሕርቃንን ስምዒትን ዝተመልኡ እዮም ኢሎም።

ኣብ እዋን ከይዲ ለውጢ ሓሓሊፉ ፀገማት ኣይነበሩን ኣይብሃልን ዝበሉ ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን ነገር ግን ከም ስርዓት ናይ ዜጋታት መሳቐይን መፈፀሚ ግፍዕን ቦታታት ብስፍሓት ኣዳሊዩ፣ ሰብ መዲቡ ዘሳቒ ዝነበረ ቅድሚ ክልተ ዓመት ተወጊዱ እዩ ኢሎም።

ኣብ 20 ግንቦት ኮይንና ክንርእይ ከለና ብዙሓት ዋጋ ዝተኸፈልሉ፣ንዴሞክራሲ ዝተቓለስሉ፣ ብዙሓት ኣሽሓት ዝሞቱሉ፣ሕቶ ሒዞም በረኻ ዝወፅሉን፣ ሎሚ ድማነዚ ናይ ለውጢ መስርሕ ንዝጎደለ ናይ ህዝቢ ሕቶ ን ምምላእ ዝመፀ እዩ ኢሎም።

ኣቶ ንጉሱ ቀጺሎም ናይ ትግራይ ክልላዊ መንግስቲ ንናይ ፌደራል መንግስቲ ምስ ደርጊ ምንፅፃሩ ዝተፈለየ ዕላማ ኣለዎ ኢሎም ።

‘’ፍቕርን ምክእኣልን ሰላምን ኣብ ሃገርና ንምንጋስ መዓልቲ ምስ ለይቲ ምትጋህ ደርጊ ዘብል ይኮነን፤ኩሉ ግዜ ነቲ ሕብረተሰብ ከም መፈራርሒ ምጥቃም ስለዝተለምደን ካብ ትግራይ እቲ መንእሰይ ዘልዕሎ፣ኣዴታት ዘልዕልኦ ሕቶ ብዝተለመደ ኣገባብ ኣብቲ ህዝቢ ስግኣት ፀላእቲ ብምፍጣር ንምድንጋርን እዩ’’ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG