ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ምስ ሰብ ሞያ ኪነ-ጥበብን ሚድያን ትግራይ ተራኺቦም፡ተዛትዮም


ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝካየድ ርክብ “ነባሪ ሰላም ዘየምጽእ እንተኾይኑ ሕጂ’ውን ገደል ይእቶ ዝብል’ዩ ኣብ ውድብ ዘሎ መርገጺ” ክብሉ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ህውሓት አቶ አለም ገብረዋህድ ተዛሪቦም።

“ኣብ መሰረታዊ ነባሪ ሰላም መፍትሒ ከይተረኽቦ ዝኾነ ይኹን ሓይሊ ክንቀሳቀስ’ዩ ክለዓል’ዩ ዝብል’ዉን ፈፂምና አይንቅበሎን” ክብሉ’ውን ገሊጾም።

አቦ መንበር ህውሓት ዶ/ር ደብረጽየን ገብረሚካኤልን አቶ አለም ገብረዋህድን ምስ ስነ ጥበብዊያን ተወላዶ ትግራይ ኣብ ዘካየድዎ አኼባ ንዝቀረበሎም ሕቶታት ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ ነዚ ዝበሉ፡ ንዝሓለፈ 17 ዓመታት’ታ ሃገር ኣብ ዝነሃረ ለውጢ’ያ ኔራ ሕጂ ካልእ ሓድሽ ለውጢ ዝስምዓሉን ዝረአየሉን ምኽንያት ፈጺሙ የለን ክብሉ’ውን ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ኩነታት አቶ አለም ገብረዋህድ ተዛሪቦም ኣለው።

እዞም ክልተ መራሕቲ ህውሓትን ሰብ ስልጣን ክልል ትግራይን ምስ ስነጥበበኛታት ትግራይ ዘካየድዎ ኣኬባ ዝምልከት አለም ፍሰሃ ካብ መቐለ ዝለኣኾ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG