ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልላዊ መንግስቲ ሶማሌ ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ኣል-ሸባብ ብዝወሰዶ ስጉምቲ 600 ምቕታሉ ኣፍሊጡ


ክልላዊ መንግስቲ ሶማሌ ናብቲ ከልል ኣትዮም ኣብ ዝነበሩ ዕጡቓት ኣል-ሸባብ ብዝወሰዶ ስጉምቲ ልዕሊ 600 ዕጡቓት ምቕታሉ ኣፍሊጡ።ኣንጻር ብደረጃ ዓለም ግብረ-ሽበራዊ ጉጅለ ተባሂሉ ዝተመደበ ኣል-ሸባብ ዝካየድ ቓልሲ ቀፃልነት ከምዝህልዎን ምስ ፌደራል መንግስቲ ብምውዳድ ከምዝሰርሕን'ውን ተሓቢሩ ኣሎ።

ቤት ምኽሪ ክልላዊ መንግስቲ ሶማሌ ካብ ዝሓለፈ ቀዳም ጀሚሩ ስሩዕ ጉባኤኡ የካይድ ከምዘሎን ኣብቲ ክልል ዘጋጠመ ደርቅን ናይዚ ሰሙን መጥቓዕቲ ኣል-ሸባብን ኣብቲ ኣኼባ መዘራረቢ ካብ ዝነበሩ ዛዕባታት ገሊኦም ምንባሮም ተሓቢሩ'ሎ።

XS
SM
MD
LG