ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልላዊ መንግስቲ ሶማሌ ንህውሓት ክድግፉ ጸኒሖም ዝበሎም 28 ሰባት ኣብ ቐይዲ ምእታው ገሊጹ


ከተማ ጂጂጋ
ከተማ ጂጂጋ

ክልላዊ መንግስቲ ሶማሌ ን'ኣሸባሪ' ኢሉ ዝጸወዖህወሓት ብዝተፈላለየ መንገድታት ክድግፉ ጸኒሖም ዝበሎም 28 ውልቀሰባት ምስ ንብረቶም ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ከምዘእተወ ኣፍሊጡ።

ምኽትል ኮሚሽነር ፖሊስ`ቲ ኽልል መሓመድ ዓሊ ሓሰን፡ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ካብቶም ኣብ ቐይዲ ዝኣተው ገሊኦም ኣብ መርመራ ዘለዉ ካልኦት ድማ መርመራ ወዲኦም ናይ ክሲ ፋይል ዝተኸፍቶም`ዮም ኢሉ። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ኣቐዲሙ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባብታትን፡ ተወለድቲ ክልል ትግራይ ብዘይኣገባብ ይእሰሩ፡ ይከላበቱን ንግዶም ይዕጾን ኣሎ ኢሉ ኔሩ`ዩ። ምኽትል ኮሚሽነር ፖሊስ ክልል ሶማሌ ግን እቲ ከምኡ ዝብል ቅሬታ ንዓና ዝምልከት ኣይኮነን፡ ኣብቲ ክልል ግን ሎሚ`ውን ብዙሓት ተወለድቲ ትግራይ ብሰላም ይንብሩ`ለዉ`ዮም ኢሉ።

ንሱ ብተወሳኺ ፍሉይ ሓይሊ ሶማሌ ናብ ሰሜን ኢትዮጵያ ድሕሪ ምዝማቱ፡ ብሓደ ሓደ ተለኣኣኽቲ ህወሓት ዝበሎም ኣብ ልዕሊ`ቲ ፍሉይ ሓይሊ ሽም ናይ ምጥፋእ ወፍሪ ይካየድ`ዩ ድሕሪ ምባል ካብ ከምኡ ዓይነት ዘመተ ይቆጠቡ ዝብል መተሓሳሰቢ ኣቕሪቡ`ሎ።

XS
SM
MD
LG