ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኬንያ ዝርግሓ ቫይረስኮሮና ንምክልኻል ዝተነብሩ ቀይዲታት ኣልዒላ


ምውሃብ ክታበት ቫይረስኮሮና ኣብ ናይሮቢ - ኬንያ
ምውሃብ ክታበት ቫይረስኮሮና ኣብ ናይሮቢ - ኬንያ

ኬንያ: ብዝሒ ብኮቪድ19 ዝተታሓዙ ዜጋታት ትሕቲ ሓደ ሚእታዊት ድሕሪ ምውራዱ፣ ንምጥቃም መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን (ማስክ) ሓዊሱ፣ ኩሎም ስጉምቲታት መግትኢ ኮቪድ19 ምልዓላ ተፈሊጡ።

ሚንስትሪ ጥዕና ኬንያ ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሰባት ኣብ ኣደባባይ ማስክ ክጥቀሙ ኣይግደዱን ኢሎም። እንተኾነ፣ ሰባት ኣእዳዎም ደጋጊሞም ክሕጸቡን ናይ ኢድ መጸራረዪ (ሳኒታይዘር) ንክጥቀሙን ኣተባቢዑ ኣሎ።

ኬንያ ዛጊት ንኣስታት 16 ሚልዮን ዜጋታታ ክታበት ኮቪድ19 ከምዝሃበት ተሓቢሩ'ሎ።

XS
SM
MD
LG