ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኬንያ: ካብን ናብን ሶማል ይካየድ ዝነበረ ኣገልግሎት በረራ ደው ኣቢላቶ


ኣብ መንጎ ኬንያን ሶማልያን ዝነበረ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ተቋሪጹ ናብ ንቡር ድሕሪ ምምላሱ፣ ኬንያ ካብን ናብን ሶማል ይካየድ ዝነበረ ኣገልግሎት በረራ ጠጠው ኣቢላቶ።

ኣገልግሎት ሲቪል ኣቭየሽን ኬንያ ብመሰረት ዝላኣኾ ደብዳቤ "ብዘይካ ሕክምናዊን ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራትን፣ ኩሉም በረራታት ናብ ሶማል ተገቲኦም ኣለው" ከምዝብል መንነቱ ክዕቀበሉ ዝመረጸ ሶማልያዊ vዓል ስልጣን ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጹ።

ምቁራጽ በረራ ነፈርቲ ካብ ኬንያ ናብ ሶማል ክሳብ መፋርቅ ነሓሰ ከምዝጸንሕ’ውን ተሓቢሩ'ሎ።

XS
SM
MD
LG