ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኬንያ ኣስታት ሓደ ሚልየን ሕጻናት ብጉድለት ምግብና ይሳቐዩ ምህላዎም ትገልጽ


ፋይል
ፋይል

ኬንያ ኣስታት ሓደ ሚልየን ሕጻናት ብጉድለት ምግብና ይሳቐዩ ምህላዎም ትገልጽ።

ኣብ ገለ ከባብታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ንተኸታታሊ ዓመታት ብሰንኪ ዘይሃረመ ዝናብ፡ ሰባት ንዓጸቦ ይቃልዑ ከምዘለዉ ክግለጽ ጸኒሑ`ዩ።

ሃገራዊ ምክልኻል ደርቂ ኬንያ ኣብዚ ወርሒ ሕዳር ከም ዝሓበሮ፡ ኣስታት ሓደ ሚልየን ዝኾኑ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዕድመ ሕጻናት ብጉድለት ምግብና ይሳቐዩ ከምዘለዉ ኣፍሊጡ`ሎ።ምስኦም ድማ 134 ሺሕ ነብሰ-ጾራትን ኣጥበውትን ተለኪመን ኣለዋ ይብል።

ብተወሳኺ ዝበዝሑ ተጎዳእቲ ኣብ ጋሪሳ፡ ማንደራን፡ ዋጂርን ዝተባህላ ወረዳታት ምዃኖም ድማ ኣመልኪቶም ኣለዉ። ካብ መንጎ ናብ ማእከላት ምግብና ዝመጹ ተሓገዝቲ ሓንቲ ዝኾነት ካተሪን ማርቲን ዝተባህለት ኣደ ብዛዕባ ጓል 6 ዓመት ጓላ ከምዚ ትብል፡“ጓለይ ንሕክምና ናብዚ ክሊኒክ ኣምጺአያ ኣለኹ። እኹል መግቢ የብልናን። ኣዴታት በቲ ደርቂ ንሳቐ ኣለና። ቁጠባና ዓንዩ`ዩ። ስለዚ መንግስቲ ክሕግዘና ንምሕጸን ኣለና።"

ሰበ-ስልጣን ኬንያ እቲ ቅድሚ ሎሚ ተራእዩ ዘይፈልጥ ደርቂ ንኣስታት 4.5 ሚልየን ሰባት መግቢ ከናድዩ ካብ መነባብርኦም ከምዘፈናቐለ ይገልጹ።

ሰበ-ስልጣን ወረዳ ዋጂር፡ ነቲ ሓደጋ ንምክልኻል ይጽዕሩ ከምዘለዉ ይገልጹ። ሓቢባ ዓሊ መዓሊም ኣባል ምክትታል ጥዕና ወረዳ ዋጂር`ያ ብዛዕባ ዝገብርዎ ዘለዉ ጻዕርታት “ኣብዚ እዋን`ዚ 134 ሰራሕተኛታት ጥዕና ኣለውና። እዚኣቶም ነቶም ጉድለት ምግብና ዘጥቅዖም ሕጻናት ተቐቢሎም ኣብ ዝተፈላለየ ፕሮግራማት ዘእትዉ`ዮም። ካልእ ድማ ነቶም ኣዝዮም ዝተጎድኡ ሕጻናት ንምድሓን ዝሰርሕ ማእከላት ኣብ ሽዱሽተ፮ተ ወረዳታት ከፊትና ኣለና"ትብል።

ከም ሕጻናት ኣድሕን ዝበሉ ትካላት ረድኤት`ውን ከም ምኹዓት ጉድጓድ ማይ ዝበሉ ንጥፈታት የካይዱ ከምዘለዉ ይገልጹ`ለዉ። ኣተሓባባሪ ምክልኻል ህጹጽ ሓደጋ ትካል ሕጻናት ኣድሕን መሓመድ ዖስማንዝተፈላለዩ ናይ ሓገዝ ማእከላት ብምኽፋት ነቶም ተጠቃዕቲ ኣብ ምሕጋዝ ብወገና ንነጥፍ ኣለና ይብል።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ፡ ደቀን ከሐክማኣብ ዋጂር ናብ ዝርከብ ማእከል ሕክምና ዝኣትዋ ኣዴታት ቁጽረን በብመዓልቱ ይውስኽ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG