ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኬንያ ንፈለማ ግዜ ብኮሮናቫይረስ ዝተጠቕዐ ሰብ ምርካባ ኣፍሊጣ


ኬንያ ንፈለማ ግዜ ብኮሮናቫይረስ ዝተጠቕዐ ሰብ ምርካባ ኣፍሊጣ።ሚንስትሪ ጥዕና ኬንያ ሎሚ ዓርቢ ከምዝሓበሮ እቲ ሰብ ብለንደን ኣቢሉ ካብ ኣሜሪካ ዝተመለሰ 27 ዓመት ዝዕድሚኡ ኬንያዊ ዜጋ እዩ።እቲ ሚንስትር እቲ ውልቀሰብ ኣብ ድሓን ኩነታት ከምዘሎ እውን ወሲኹ ገሊፁ’ሎ።

እቲ ቫይረስ ኣብ ግዝኣተን ምርካቡ ካብ ዘረጋገፃ ሃገራት ትሕቲ ስሃራ ኣፍሪቃ ኬንያ መበል 11 ሃገር ኮይና’ላ።

ለበዳ ሕማም ዓለም ኮይኑ ብዘሎ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዙሪያ ዓለም ልዕሊ 128,000 በቲ ቫይረሰ ተታሒዞም ኣለው፤ ኣስታት 5,000 ሰባት ድማ ህይወቶም ምስኣኖም ተፈሊጡ’ሎ።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG