ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኬንያ: ንክልተ መዓስከራት ስደተኛታት ንምዕጻው ምምዳባ ኣብ ስደተኛታት ውጥረት ምፍጣሩ ይግለጽ'ሎ


ሚኒስትር ጉዳያት ውሽጢ ሃገር ኬንያ፣ ንክልተ መዓስከራት ስደተኛታት ከምዝዓጹ ድሕሪ ምግላጹ፣ ኣብ ልዕሊ ኣማኢት ኣሻሓት ስደተኛታት ውጥረትን ጭንቂን ተፈጢሩ'ሎ።

ኣብ ሰሜናዊ ኬንያ ዝተደኮና መዓስከራት ስደተኛታት ዳዳብን ካኩማን፣ ንልዕሊ 410 ሽሕ ሰባት ኣጽሊሎም ይርከቡ። ኩሎም ስደተኛታትን ሓተቲ ዕቁባን እዮም።

ልዕሊ ፍርቂ’ቶም ስደተኛታት ሶማልያዊያን፣ ገሊኦም ድማ ደቡብ ሱዳናዊያን ክኾኑ ከለው ሒደት ዘይባሃሉ ካብ ኮንጎ፣ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራትን’ቲ ዞባ ዝተሰደዱ ከምዝኾኑ ይጠቅስ።

እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ኣምባሳደር ሶማል ኣብ ናይሮቢ ጉዳይ ስደተኛታት ናብ ፖለቲካዊ ቆይቂ ቀይራቶ ኢሎም ንኬንያ ከሲሶምዋ ። ኬንያ ነቶም መዓስከራት ደረት ዝተዓጽወሉ ጊዜ ትገልጽ ዘላ፣ ብምኽንያት ኣብ ማያዊ ግዝኣት ዝተፈጠረ ምስሕሓብ ምስ ሶማልያ እዩ ይብሉ።

XS
SM
MD
LG