ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኬንያ: ንናይ ሳይበር ገበን ምቁጽጻር ዝሕግዝ ሕጊ ኣጽዲቃ


ፕረዝደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ናይ ሳይበር ገበን ንምቁጽጻር ዝሕግዝ ሕጊ ትማሊ ሶሉስ ኣጽዲቆም።እቲ ሕጊ ሓቅነት ዘይብሎም ሓበሬታ ንዝፍንው ሰባት ኮነ ትካላት 5 ሚልዮን ናይ ኬንያ ሽሊንግ ወይ ናይ ክልተ ዓመታት ማእሰርቲ ከምዝቕጽዑ ይገልጽ።

ኬንያ ናይ ሳይበር ገበን ንምቁጽጻር ዝሕግዝ ሕጊ ትማሊ ዘጽደቐት ክትከውን ከላ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ድማ ነዚ ሕጊ ብፊርማ ኣረጋጊጾሞ ኣለው። እዚ ንናይ ሳይበር ገበን ንምቁጽጻር ዝሓለፈ ሕጊ ንናይ ሳይበር ዓመጽ፡ ናይ ሓሶት ሓበሬታትን ትምነያን ዝኣመሰሉ ገበናት ንምቁጽጻር ዝሕግዝ እንተኮነ ኣብ ሓበሬታ ብነጻነት ምትሕልላፍ ጸቕጢ ክፈጥር ከምዝኽእል፡ በዚ ድማ ቀዳሞት ግዳያት ጋዜጠኛታትን ጸሓፍቲ ዓምዲ ኢንተርነት ከምዝኮኑ ትካላት ተሓለቕቲ መሰላትን ነቐፍትን ይገልጹ።

ሰብሞያ ሕጊ’ታ ሃገር ነዚ ሕጊ ዝሓለፈ ወርሒ ውሳነ ዝሃቡ እንተኾነ ትማሊ ብወግዒ ምጽዳቁ ተፈሊጡ’ሎ።

ሮበርት አላይ ዝተባህለ ጸሓፊ ዓምዲ ኢንተርነት ብመጀመርያ ኬንያ ንነጻነት ፕረስ ዝምልከት ሕጊ ኣብ ሕገ መንግስታ የለን ስለዚ እዚ ናይ ሕጂ ሕጊ ንምንታይ አድላይ ምኳኑ ግልጺ ኣይኮነን ይብል። ብተወሳኺ ሓበሬታ ብነጻነት ኣብ ምትሕልላፍ ኣሉታዊ ጽልዋ ክህልዎ ከምዝኽእል ስግኣቱ ይገልጽ።

“እዚ ሕጊ ሓበሬታ ብነጻነት ምትሕልላፍ ዝክልክል ሕጊ’ዩ። ብርግጽ ንመሓውራት ዜና ዝክልክል እንተዘይኮነ ኣብዚ ሕጂ እዋን ሓቀኛ መሓውር ዜና ኣብ ኢዱ ቴሌፎን ዝሓዘ ሰብ’ዩ። እዚ ሕጊ ድማ ነዚ ከምዚ ዓይነት ሰብ ዝጎድእ’ዩ። ቅድሚ ገለ ዓመታት ምስ ሓደ ዓርከይ ሓደ ናይ ብልሽውና ክሲ ናብ ቤት ፍርዲ ኣቕሪብና፡ ኣብቲ ጊዜ መንግስቲ ዘተሓሳስቦ ዝነበረ ነቲ ክሲ ብዛዕባ ምርማር ዘይኮነ እቲ ሓበሬታ ብኸመይ መንገዲ ከምዝረኸብናዮ እዩ ስለዚ ሕጂ መንግስቲ ነዞም ከምዚ ዓይነት ሰባት እዩ ተጽዕኖ ዝገብር ዘሎ።”

ሮበርት ብተወሳኺ እዚ ትማሊ ዝሓለፈ ሕጊ ሰባት ኣብ ዲጂታል ምትሕልላፍ ሓበሬታ ርእሶም ከግልሉ ዘገደዱ’ዮ እዚ ድማ ነቲ ዝበራታዕ ዘሎ ዲሞክራሲ ኬንያ ዝጎድእ’ዩ ክብል ስግኣቱ የረድእ።

ንደሕንነት ጋዜጠኛታት ዝሕለቕ ኣብ ኒው ዮርክ ዝመደበሩ ትካል CPJ ብናይ ኣፍሪቃ ወኪሉ አንጀላ ኪዊንታል ኣቢሉ ንዴይሊ ኔሽን ዝተባህለ ጋዜጣ ኬንያ ኣብ ዝሃብቦ ቃል እቲ ሕጊ ንጋዜጠኛታትን ንናይ ኢንተርነት ዓምዲ ጸሓፍቲ ዒላማ ዝገብር’ዩ ኢለን ኣለዋ።

ናይቲ ሕጊ ረቒቅ ሕጊ ዘዳለወናይ ኤንያ ኢንፎርሜሽንን ቴክኖሎጂን ሚንስትሪ ንክልተ ዓመታት ክሰርሓሉ ዝጸንሓ ምኳኑ ተፈሊጡ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኬንያ: ንናይ ሳይበር ገበን ምቁጽጻር ዝሕግዝ ሕጊ ኣጽዲቃ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:32 0:00

XS
SM
MD
LG