ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኬንያ: ንመዓስከር ስደተኛታት ዳዳብን ካኩማን ከምትዓጽው ኣፍሊጣ


ሰበ ስልጣን ኬንያ ብኣማኢት ኣሽሓት ስደተኛታት ኣዕቑቦም ዝርከቡ መዓስከር ስደተኛታት ዳዳብን ካኩማን ክዕጸው ምውሳኖም ኣፍሊጦም::

ሚኒስትር ጉዳያት ውሽጢ ሃገር ኬንያ ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ንናይ መወዳእታ አማራጺ ከዳልው ናይ ክልተ ሰሙን ዕድል ከምዝተዋህቦ ሓቢሮም ኣለው::

እቶም ሚኒስትር ብተወሳኺ ነቲ ጉዳይ ዝምልከት ተወሳኺ ዘተ ከምዘይህልው ገሊጾም ኣለው::

መዓስከር ስደተኛታት ዳዳብን ካኩማን ቅድሚ ኣስታት 30 ዓመታት ዝተመስረቱ ክኾኑ ከለው ንልዕሊ 410,000 ስደተኛታት ኣዕቑቦም ይርከቡ፥ መብዛሕትኦም እቶም ስደተኛታት ሶማልያዊያን ክኾኑ ከለው ገለ ውሑዳት ደቡብ ሱዳናውያን ከምዝርከቡ'ውን ይፍለጥ::

ኬንያ ኣብ 2016 ንጸጥታ ስግኣት ይፈጥር'ዩ ብምባል ንመዓስከር ስደተኛታት ዳዳብ ከምትዓጽው ክትገልጽ ዝጸንሓት ክትከውን ከላ ሕጂ ግና ንክልቲኦም መዓስከር ስደተኛታት ንምዕጻው ምውሳና ትገልጽ አላ::

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ኬንያ ዑቕባ ንዘድልዮም ከተዕቑቡን ኣብ ጽምዶ ዘተ ክትቅጽልን ኣተሓሳሲቡ'ሎ::

XS
SM
MD
LG