ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኬንያ ብኤሌትሪክ ዝሰርሓ ኣውቶቡሳት ኣብ ምድላው ትርከብ


ኦፒባስ (Opibus) ዝተባህለ ናይ ኬንያን ሽወደንን ትካል፡ ኣብ ምጉዳል ብከላ ኣየር ኣበርክቶ ክህልወን ትጽቢት ዝግበር፡ ብኤሌትሪክ ዝሰርሓ ኣውቶቡሳት ኣብ ምፍራይ ይርከብ። እዚ ድሮ ብኤሌትሪክ ዝሰርሓ ሞተር-ብሽክለታ ኣፍርዩ ናብ ኣገልግሎት ኣውዒሉ ዘሎ ትካል ዝመጽእ ዓመት ናብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝበጽሓ ኣውቶቡሳት ኣብ ምስራሕ’ውን መዲቡ ኣሎ።

ሓያሎ መካይን ኣብቲ ጽቕጥቅጥ ዝበለ ጎደናታት ናይሮቢ ጸሊም ትኪ እናውጽኣ መስመር ንምርካብ ክጓየያ እንከለዋ፡ በንጃሚን ማይና ግን ካብ ካልኦት ዝፈልዮ፡ ምሉእ ብምሉእ ብኤሌትሪክ እትሰርሕ ኣውቶቡስ ይዝውር ምህላዉ’ዩ። በንጃሚን ብዛዕባ’ታ ዝዝውራ ፍልይቲ ኣውቶቡስ ኣመልኪቱ፤“እዚኣ ዓይነት መኪና ምዝዋረይ ፍሉይነት ይስመዓኒ። ነዚኣ መኪና ምዝዋር ድማ ካብተን ካልኦት ብነዳዲ ዝሰርሓ መካይን ብዙሕ ፍልልይ ኣለዎ። እተን ካልኦት ዓቢ ፍሕፋሐን ድምጺን እናገበራ፡ ብዙሕ ትኪ’ውን’የን ዘውጽኣ። እዛ መኪና’ዚኣ ግን ድምጺ የብላን፡ ካልእ ሃለኽለኽ’ውን ኣይትርእየላን”ይብል።

ኣብ ኬንያን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን፡ ህዝባዊ መጓዓዝያ ብዛዕባ ክፍንወኦ ዝኽእላ ብኩል ኣየር ዝምልከት ቅጥዒ የሎን። ብሰንኩ ድማ ብዙሓት ህዝባውያን መጓዓዝያ ክንዲ ድላየን ብኩል ኣየር ክፍንዋ’ውን ቍጽጽር ከይተገብረለን ናጻ ይገድፍ።

ካብ ጨንፈር ፕሮግራም ኣከባቢ ሕቡራት ሃገራት ዝኾነት ጀን ኣኩማ፤“ኣብ ማእከል ከተማታት እንተ ተመልኪትና፡ እተን ዝበዝሐ ብከላ ዝገብራ ኣውቶቡሳትን መካይን ጽዕነትን’የን። እዚኣተን እተን ዝለዓለ ኣበርክቶ ዝገብራ ዘለዋ ከም ምዃነን መጠን፡ ንምቕያር’ውን ኣብ ኣዝዩ ሓጋዚ’ዩ። ናብ ውሑስን ዝወሓደ በከላን ከመይ ክንሰግር ንኽእል፧ ውሑስ ከተማታት ክህልወና እንተዀይኑ፡ ኣብ ውሑስ ኣገባብ ዝምርኰስ ዓቢ ወፍሪ ክንገብር ወሳኒ’ዩ፡”ትብል።

እዚ ብትካል ኦፒባስ ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ እምበኣር ነዚ መጠን ብከላ ንምጕዳል’ዩ።

ኣብቲ ትካል ሓላፊ ስትራተጂን መሸጣን ዝዀነ ኣልቢን ዊልሰን፤ “ብኤሌትሪክ ዝሰርሓ ኣውቶቡሳት ቀዳማይ ስጕሚ ንምጕዳል ብኩል ኣየርን ምፍጣር ጽሩይ ኣከባቢን’ዩ። ትካልና ድማ ኣብዚ መዳይ’ዚ ኣብ ቀዳሞት ተሰሪዑ ምህላዉ ዘሕብን’ዩ። እቲ ፍሉይነቱ ድማ ምስ ናይ ውሽጢ ሃገር መሻርኽቲ ብምዃን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝፈርያ ኣውቶቡሳት ነፍርይ ምዃንና’ዩ፡”ይብል።

ወፍሪ ብኤሌትሪክ ዝሰርሓ መካይን ኣብ ኣፍሪቃ፡ ገና ዘይጀመረ ብምዃኑ ሰፊሕ ዕድላት ዘለዎ ምዃኑ ይንገር። ጀን ኣኩሙ’ውን ምሉእ ብምሉእ ኣብ ተተካኢ ጸዓት ዝምርኰስ ምዃኑ ዓቢ ዕድል ምዃኑ ትጠቅስ። እዚ ወፍሪ’ዚ ብዘይካ ብከላ ኣየር ምጕዳል፡ ንምግዛእ ነዳዲ ዝወጽእ ዝነበረ ብዙሕ ገንዘብ’ውን ከድሕን ዝኽእል ምዃኑ’ዩ።

XS
SM
MD
LG