ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ብዕጡቓት ኣባላት ኣልሸባብ መጥቃዕቲ ዝወረዶ ኣብ ከተማ ናይሮቢ ኬንያ ዝርከብ ሆቴል ዳግማይ ተሓዲሱ ንስራሕ ድልው ምኻኑ ተሓቢሩ።
ኣባላት ኣልሸባብ ካብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት እቲ ዝበርትዐ ጉድኣት ከምዘውረደ ዝጥቀሰሉ መጥቃዕቲ ኣብ ወርሒ ጥሪ ናይዚ ዓመት ኣብ ልዕሊ እቲ ሆቴል ብምፍጻም 21 ሰባት ከምዝተቐትሉን ልዕሊ 700 ልዕሊ ሰባት ድማ ጅሆ ተታሒዞም ምንባሮም'ዩ ተጠቒሱ።
እቲ መጥቃዕቲ ኣባላት ኣልሸባብ ንሰዓታት ዝቐጸለ ክኸውን እንከሎ: ሓይልታት ጸጥታ ኬንያ ነቶም ፈጸምቲ መጥቃዕቲ ክጸርጎምን ነቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ኣብ ዝቕጽል መዓልቲ ሙሉእ ብሙሉእ ናጻ ከውጽኦም ከምዝኸኣለ ይዝከር።