ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኬንያ: ብሰንኪ ማስክ ምስ ፖሊስ ብዘጋጠመ ግጭት ሰለስተ ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ


ሌሶስ ኣብ ዝተባህለት ንእሽተይ ከተማ ዝርግሓ ቫይረስኮሮና ንምክልኻል ዝተወሰነ ማስክ(መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን)ምክንያት ኣብ መንጎ ነበርቲን ፖሊስን ብዝተላዕለ ግጭት ሰለስተ ሰባት ምሟቶም ናይ ዓይኒ መሰካኽር ሓቢሮም።

ፖሊስ ሞት እቶም ሰለስተ ሰባት አረጋጊጹ’ሎ።

ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት’ታ ሃገር ፖሊስ ብሰንኪ ዓለምለኸ ለበዳ ቫይረስኮሮና ዝተነብሩ እገዳታትን ውሳነታትን ንምትግባር ብዝብል ዘይሕጋዊ ቕትለት የካይዱ ምህላዎም ክኸሱ ጸኒሖም’ዮም።ብተወሳኺ ፖሊስ ብላዕ ወይ ጉቦ ንምርካብ ይጥቕምሉ ከምዘለው ይሕብሩ።

እቲ ግጭት ነበርቲ ከተማ ሌሶስን ፖሊስን ዘጋጠመ ፖሊስ ማስክ ኣይገበረን ንዝበልዎ ውልቀሰብ ንምውሳድ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን’ዩ። መንግስቲ ኬንያ ዝርግሓ ቫይረስ ኮሮና ንምቁጽጻር ዜጋታት ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ማስክ ክገብሩን ምስ ዘይገብሩ ድማ 200 ዶላር ክቕጽዑ ምውሳኑ ይፍለጥ።

ወሃቢ ቃል ፖሊስ ቻርለስ ኦውኒዎ ብወገኑ መንግስቲ ከም መጉዓዝያ ዘገልግላ ሞተር ሳይክል ሓደ ሰብ ጥራይ ክጽዕና ድሕሪ ምውሳኑ ክልተ ሰባት ዝጸዓኑ ሰባት ክቕጽዑ ጸኒሖም። በዚ መሰረት ፖሊስ ነቲ ክልተ ሰባት ጽዒኑ ዝተረኽበ ውልቀሰብ ክወስዱ ኣብ ዝፈተንሉ ካልኦት ብምክልካሎም ምስ ፖሊስ ግጭት ምልዓሉ ይገልጽ።

ፖሊስ ኬንያ ብክስታት ብልሽውና ብተደጋጋሚ ብትካላት ብተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ክኽሰስ ምጽንሑ ይፍለጥ ።

ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ ወዲ 13 ዓመት ዝርከብዎም 15 ሰባት ነቲ ምስ ቫይረስ ኮሮና ብዝተሓሓዝ ዝወጸ ሓደሽቲ ሕግታትን ቀይድታት ንምትግባር ብዝብል ምቕታሎም ይሕብሩ።

XS
SM
MD
LG