ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኬንያ: ብሰንኪ ለበዳ ቫይረስኮሮና ደው ኢሉ ዝነበራ ዓለምለኸ በረራ ከምትጅምር ኣፍሊጣ


ኬንያ ተዓጽዩ ዝነበረ በረራ ከም ትጅምር ኣፍሊጣ። ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ሎሚ ብዛዕባ ለበዳ ኮቪድ 19 ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ ነቲ ለበዳ ንምግታእ ተወሲዱ ዝነበረ እገዳታት ምምሕያሽ ከም ዝተገብረሉ ኣፍሊጡ። በዚ መሰረት ካብ ሓምለ 25 ጀሚሩ ዓለም-ለኸ በረራታት ከም ዝጅምር ኣፍሊጡ። ዘቤታዊ በረራታት ድማ ቅድም ኢሉ ኣብዚ ሰሙን`ዚ ክኽፈት ኣዚዙ`ሎ። ከንያታ ኣብ መልእኽቱ፥ ኣብ ናይሮቢ: ሞምባሳን ማንዴራን ዝነበረ ትእዛዝ ካብ ጽባሕ ጀሚሩ ከም ዝለዓል ኣፍሊጡ`ሎ። ተነቢሮም ዝጸንሑ እገዳ ሕላፍ ሰዓት ግን ንሓደ ወርሒ ክቕጽል ተገይሩ`ሎ።

XS
SM
MD
LG