ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኬንያ ሰራዊታ ናብ ምብራቓዊ ዲሞክራቲክ ሪፖብሊክ ኮንጎ ከምተወፍር ትገልጽ


አባላት ሰራዊት ምክልኻል ኬንያ - ፋይል
አባላት ሰራዊት ምክልኻል ኬንያ - ፋይል

ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ሰራዊት'ታ ሃገር ኣብ ዞባዊ ስርሒት ወታሃደራት ምብራቅ ኣፍሪቃ ንምትሕብባር ኣብቲ M23 ተባሂሉ ዝፅዋዕ ጉጅለ ዓትዒቱ ሒዝዎ ዘሎ ምብራቃዊ ክፍለ ግዝኣት ዲሞክራቲክ ሪፑብሊክ ኮንጎ ክወፍር’ዩ ክብሉ ኣፍሊጦም።

እቲ ዞባዊ ሓይሊ ኣብቲ ዘይምርግጋእ ዘለዎ ዞባ ሰላም ከሐይል’ዩ ክብሉ ፕረዚደንት ሩቶ ኣብ ርእሰ ኸተማ ዲሞክራቲክ ሪፑብሊክ ኮንጎ ኪንሳሻ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ኣፍሊጦም’ለዉ።

እቶም መብዛሕትኦም ኣባላቱ ካብ ማሕበረሰብ ቱቲሲ ኮንጎ ዝኾኑ ጉጅለ ሚሊሽያ M23 ኣብ ሰሜናዊ ዲሞክራቲክ ሪፑብሊክ ኮንጎ ክፍለ ግዝኣት ኪቩ ቦታታት ሒዙን ናብ ርእሰ ኸተማ’ቲ ከባቢ ናብ ዝኾነት ጎማ ገፆም ይቀራረቡ ከም ዘለዉ ተገሊፁ’ሎ።

እዚ ኹናት’ዚ ዞባዊ ውጥረት’ዉን ኣጋዲዱ’ሎ። ዲሞክራቲክ ሪፑብሊክ ኮንጎ ንጎረቤታ ሩዋንዳ ነቲ ጉጅለ M23 ትድግፍያ ክትብል ትኸስስ። እዚ ኪኢላታት ሕቡራት ሃገራትን ሰበ-ስልጣን ኣመሪካን ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ክዛረብሉ ዝፀንሑ’ዮም። ሩዋንዳ ግን ነዚ ክሲ ኣሉታዊ ምላሽ ብምሃብ ዲሞክራቲክ ሪፑብሊክ ኮንጎ ነቲ ድሕሪ’ቲ ናይ 1994 ዓ.ም ምፅናት ዓሌት ሩዋንዳ ኣብ ዲሞክራቲክ ሪፑብሊክ ኮንጎ ዝተመስረተ ጉጅለ ደባይ ተዋጋእቲ ሁቱ ብምትሕብባራ ትኸሳ።

XS
SM
MD
LG