ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኬንያ: ምስ ኡጋንዳ ዘዋስን ከባቢ ዘጋጠመ ርእሰ ቕትለታዊ መጥቓዕቲ ነታጕ 3 ሰባት ሞይቶም


ነታጕ ዝተዓጠቐ ርእሰ ቕትለታዊ ኣብ ምስ ኡጋንዳ ዘዋስን ኪሲሙ ዝተባህለ ቦታ ብዘካየዶ መጥቓዕቲ ንገዛእ ርእሲን ንካልኦት ክልተን ምቕታሉ ሰበስልጣን ኬንያ ገሊፆም።እቲ ጥርጡር ኣባል ኣብ ሶማል ናይ ዝመደብሩ ጉጅለ ግብረሽበራ ኣል ሸባብ ምዃኑ ፖሊስ ኬንያ ገሊፁ ኣሎ።

ጆን ኦንዲየክ ዝተባህለ ተጠርጣሪ ንንጎረቤቱ እናዘራረበ ከሎ እቲ ቦምብ ተተኲሱ ሽዑ ንሽዑ እቲ ሰብ ከምዝሞተን ቆሲላ ዝነበረት ብዓልቲ ቤቱ ድማ ከምዝሞተትን ጓሎም እውን ከምዝቆሰለትን ፖሊስ ገሊፁ።

ፖሊስ ዛጊት ምኽኒያት ናይቲ መጥቓዕቲ ኣይገለፀን።

እቲ ሰብ ኣብቲ ከባቢ ናብ ኣኽራሪነት ከምዝተለወጠን ፀኒሑ ድማ ናብ ኣል ሸባብ ከምዝተሓወሰን መሓውራት ዜና ጸብጺበን ኣለዋ።

XS
SM
MD
LG