ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኬንያ፡ መሳርሒ ቅልጡፍ መርመራ ቫይረስኮሮናን ዓሶን ተታኣታትው


ምውሃብ ክታበት ቫይረስኮሮና ኣብ ኬንያ- ፋይል
ምውሃብ ክታበት ቫይረስኮሮና ኣብ ኬንያ- ፋይል

ኬንያ፡ ንድርብ ብድሆታት ኮሮናቫይረስን ዓሶን ንምቁጽጻር ዘኽእል መመርመሪ መሳርሒ ኣተኣታትያ።

እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተሰርሐ መመርመሪ ቀልጢፉ ነቲ ሕማም ንምፍላጥ ዓቕሚ ዘለዎ ኮይኑ ናብ ካልኦት ከባብታት ንምክፍፋል ተወጢኑ ከምዘሎ ትካል ሕክምናዊ መጽናዕቲ ኬንያ ኣፍሊጡ`ሎ።

ተመራመርቲ ኬንያ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ንዓሶን ንኮሮናቫይረስን ንምቁጽጻር ዝሕግዝ መመርመሪ መሳርሒ ንምምሃዝ ክጽዕሩ ጸኒሖም`ዮም፡ ሕጂ ግን ጻዕሮም ፍረ ዘምጽአ ይመስል: ምስቲ ኸባቢ ዝሰማማዕ መሳርሒ'ውን ክሰርሑ ክኢሎም ኣለው።

ተመራማሪ ሕማም ዓሶ ፍራንሲስ ኪማኒ፡ "ምስ`ቲ ኩነታት ኣየር`ቲ ከባቢ ዝሳነ መመርመሪ ሰሪሕና`ለና። ልክዕ ውጽኢት ዝነገር ኮይኑ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተሰርሐ ምስ ምዃኑ ሕሱርን ንምጥቃሙ ቀሊልን`ዩ“ ይብል።

ኣብ ኬንያ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣስታት 3.5 ሚልየን ሰባት ብሕማም ዓሶ ይትሓዙ:ኣስታት 11ሺሕ ድማ ይሞቱ። ዓሶ ኣብ ኬንያ ካብ መንጎ ቀንዲ ቀተልቲ ሕማማት`ዩ ።

ለበዳ ኮቪድ19 ድማ ኣብ ስርዓት ጥዕና ካልእ ሸኸም ምውሳኹ ከይኣክል፡ መመርመሪ መሳርሕታትን ክታበትን ብምሕጻሩ ድማ ካልእ ብድሆ ኮይኑ ጸኒሑ። እዚ ምስ ዝማዕበላ ሃገራት ክወዳደር ከሎ ዓቢይ ፍልልይ ኣለዎ።

ኬንያ፡ መሳርሒ ቅልጡፍ መርመራ ቫይረስኮሮናን ዓሶን ተታኣታትው
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:37 0:00

ክኢላ ሕክምና ዶ/ር ዊልስ ኣክዋለ ሕጂ እቲ ብትሑት ዋጋ ዝርከብ መመርመሪ ዓሶን ኮቪድ19ን ኣብ ኬንያን ኣፍሪቃን ዓቢይ ለውጢ ከርኢ`ዩ ይብል ።

ኣብ ማእከል ምርምር ሕክምና ኬንያ ክኢላ መጽናዕቲ ከልቪን ቲንጎ"ሕማም ምንጻር፥ ንምክልኻልን ምሕካምን፡ ቀዳማይ ስጉምቲ`ዩ። ንሕማም ክተለልዮ እንተዘይክኢልካ፡ ፈውሱ`ውን ክትፈልጦ ኣይትኽእልን ኢኻ ከምኡ`ውን ኣበየናይ ደረጃ ክትቆጻጸሮ ከምትኽእል ኣይትፈልጥን ኢኻ"ይብል።

ንሱ ኮቪድ ፖስቲቭ ወይ ነጋቲቨ ምዃንካ ምስ ነገርናካ እቲ ዶክተር ዝያዳ ዝርዝር መብርሂ ክህበካ`ዩ ይብል። ንሕና ግን ክንደይ ዝኸውን ቫይረስ ከምዘሎ`ውን ክንሕብሮ ንኽእል -ብእኡ መሰረት ድማ እቲ ሕክምና ክግበረሉ ይኽእል ይብል።

እዚ ሓዲሽ ኣብ ኬንያ ዝተሰርሐ መመርመሪ መሳርሒ፡ ንኬንያ ክሳብ 32 ሚልየን ዶላር ከድሕና ከምዝኽእል እቶም ተመራመርቲ ይገልጹ`ለዉ።

እቲ ዝተረኽበ ገንዘብ ድማ ኣብ ካልእ ፕሮግራማት ምክልኻል ሕማማት ክውዕል ከምዝኽእል ይኣምኑ። ካብኡ ሓሊፉ እታ ሃገር ነዚ ቴክኖሎጂ`ዚ ናብ ካልእ ኣብ ውሽጢ`ታ ኣህጉር ዘለዋ ሃገራት`ውን ክትሸጦ ከም እትደሊ እቶም ክኢላታት ኬንያ ኣሚቶም ኣለዉ።

XS
SM
MD
LG