ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኬንያውያን መጻኢ ፕረዚደንቶም ሎሚ ይመርጹ


መጻኢ ፕረዚደንት ኬንያ ሎሚ ሰሉስ ብዝወሃብ ድምጺ ክውሰን ትጽቢት ይግበር። እቶም ዝለዓለ ግምት ተዋሂቡዎም ዘለዉ ተወዳደርቲ ናይ ቅድም መቀናቕንቲ ሕጂ ግን ተደጋገፍቲ ህሉው ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታን ንሓደ ርብዒ ዘመን ንመዝነት ፕረዚደንት ዘማዕደወ ራይላ ኦዲንጋን ምኽትል ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶን’ዮም።

ብተደጋጋሚ እዋን ንመዝነት ፕረዚደንት ተወዳዲሩ ዘይተዓወተን ምስ ኬንያታ ኣብ ዝነበረ ምርጫ ክሳብ ደም ምፍሳስ ዘምርሐን ኦዲንጋ፡ “እንተ ስዒረን እንተ ተሳዒረን ኣእዳው መቀናቕንተይ ብኽብሪ ክጭብጥ’የ፡” ክብል ንውጽኢት ምርጫ ብሰላም ክቕበሎ ድሉው ምዃኑ ኣመልኪቱ ኣሎ።

ካብቲ ልሙድ ፖለቲካዊ ባህሊ ኬንያ ወጻኢ ምዃኑ ዝምጕት ካልኣይ ቀንዲ ተወዳዳሪ ዊልያም ሩቶ ብወገኑ፡ “ዝሓለፈ ይኣክል። ሕጂ ግን ኬንያውያን ነቲ ዝበለየ ፖለቲካዊ መዋቕር ሓዲጎም ሓድሽ ምዕራፍ ክኸፍቱ’ዮም፡” ኢሉ።

ወግዓዊ ውጽኢት ምርጫ ዝመጽእ ሰሙን ክፍለጥ ትጽቢት ይግበር።

ብስእነት ቀረባትን መሳለጥያታትን ዝሳቐ ዘሎ ኮሚሽን ምርጫ እታ ሃገር ከኣ ሰላማዊ ስግግርን ናጻ ምርጫን ክካየድ ኣብ ምስራሕ ይርከብ።

XS
SM
MD
LG