ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኬንያን ታንዛንያን ንዝተዘርግሓ መስመር መተሓላለፊ ጋዝ ክቐላጠፍ ተሰማሚዖም


ፕረዚደንታት ታንዛኒያን ኬንያን
ፕረዚደንታት ታንዛኒያን ኬንያን

ፕረዚደንታት ታንዛኒያን ኬንያን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ንግዲ ንምሕያልን ወፃኢታት ሓይሊ ፀዓት ንምጉዳልን ዝተነደፈ ምዝርጋሕ መተሓላለፊ መስመር ተፈጥሮ ጋዝ ብቕልጡፍ ንምስራሕ ተሰማሚዖም።

እዚ ስምምዕ ዝተበጽሐ ፕረዚደንት ታንዛኒያ ሳሚያ ሓሰንን ንናይ ኽልተ መዓልታት ዑደት ኣብ ታንዛኒያ ዝርከቡ ፕረዚደንት ኬንያ ዊሊያም ሩቶን ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዋና ከተማ ዳር ኤስ ሰላም ድሕሪ ምርኻቦም ብዘሕለፍዎ ውሳነ'ዩ።

ፕረዚደንት ሩቶ ኣብቲ ኣጋጣሚ ከምዚ ኢሎም።"ሕጂ ካብ ዳር ኤስ ሰላም ክሳብ ሞምባሳ ኣብ መወዳእታ ድማ ናብ ናይሮቢ ዝዝርጋሕ መተሓላለፊ መስመር ጋዝ ክነሳልጦ ኢና።ኣብ ዞባና ዘሎ ሃብቲ ተጠቒምና ንኢንዱስትሪ ይኹን ንንግድን ዘቤታዊ ድልየትን ንምውዓልን ኣብ ፀዓት ዝህልው ቀረፅ ንምጉዳልን ክንሰርሕ ኢና።"

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፕረዚደንት ሳሚያ ሓሰንን ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንኒያታን እቲ ናይ ጋዝ መሕለፊ መስመር ፕሮጀክት ንምጅማር ኣብ ናይሮቢ ምፍርራሞም ይዝከር።

ክልቲአን ሃገራት ብሓፈሻ ኣብ ፖለቲካን ንግዳውን ርክባተን ብኣወንታ ዝርኣይ ርክባት ኣለውን።ሓሓሊፉ ኣብ ንግዳዊ ርክባት ዝርኣዩ ኣፈላላያት ፕረዚደንት ሳሚያ ኣብ ኬንያ ኣብ ዘካየድኦ ዑደት ከምዝተፈትሑ ተፈሊጡ ኣሎ።

"ኣብ መንጎ ታንዛኒያን ኬንያን ዘለው ዕንቅፋታት ንግዲ ጠሚቶም ክሰርሑ ንክኢላታትና ሓቲትና 68 ዕንቅፋታት ኣለልዮም ኣለው።54 ናይ ቀረፅ ዕንቅፋታት ተፈቲሖም 14 ተሪፎምና ኣለው።"

ንውሓት ካብ ዳር ኤስ ሰላም ናብ ሞምባሳ ክዝርጋሕ ተባሂሉ ዝተነደፈ መስመር ተፈጥሮ ጋዝ ኣስታት 600 ኪሎ ሜትር እዩ።መዓዝ ከምዝዛዘም ግን ኣይተገልጸን።

XS
SM
MD
LG